1
ኢሳይያስ 33:6
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ፍልጠትን ጥበብን ክኸውን እዩ። ምፍራሕ እግዚኣብሄር ድማ መዝገቡ እዩ።
Compare
Explore ኢሳይያስ 33:6
2
ኢሳይያስ 33:2
ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።
Explore ኢሳይያስ 33:2
3
ኢሳይያስ 33:22-23
ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።
Explore ኢሳይያስ 33:22-23
4
ኢሳይያስ 33:15-16
እቲ ብፅድቂ ዝነብር፥ ቅንዕና ዝዛረብ፥ ገንዘብ ዓመፃ ዘይደሊ፥ ጉቦ ኸይቕበል ኢዱ ዝእክብ፥ ደም ምፍሳስ ከይሰምዕ እዝኑ ዝዓፁ፥ ክፉእ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዝዕምት፥ ንሱ ኣብ በሪኽ ቦታ ኽነብር፥ ፅኑዕ እምባታት ከዓ መፀግዒኡ ክኸውን፥ እንጀራኡ ድማ ኽረክብ እዩ፤ ማዩውን ኣይነፅፍን እዩ።
Explore ኢሳይያስ 33:15-16
Home
Bible
Plans
Videos