YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 33

33
ምህለላ
1ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ።
2ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና። 3ህዝብታት ካብ ድምፂ ዋዕዋዕታ ዝተልዓለ ሃደሙ፤ ብምትሳእኻውን ኣህዛብ ተበተኑ። 4ኣንበጣ ኸም ዝእከብ፥ ዝዘመትኩምዎ ክእከብ እዩ፤ ኵብኵብታ ኸም ዝዘልል፥ ሰባት ክዘልሉ እዮም።
5እግዚኣብሄር ኣብ ኣርያም ይነብር እዩሞ ልዕል ልዕል በለ፤ ንፅዮን ብፍትሕን ብፅድቅን መልኣ። 6ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ፍልጠትን ጥበብን ክኸውን እዩ። ምፍራሕ እግዚኣብሄር ድማ መዝገቡ እዩ።
7እንሆ፥ ጀጋኑኦም ኣብ ደገ የእውዩ ኣለዉ፤ እቶም ናይ ሰላም ልኡኻት ከዓ፥ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ። 8ኣውራ መንገድታት ባደሙ፤ ሓላፊ መንገዲ ተስኣነ። ቃል ኪዳን ኣፍረሰ፤ ከተማታት ነዓቐ፤ ንሰብ ሓደ እኳ ኸም ሰብ ኣይረአዮን። 9እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።
እግዚኣብሄር ንፀላእቱ ኸም ዘጠንቀቖም
10እግዚኣብሄር “ሕዚ ኽትስእ፥ ሕዚ ክኸብር፥ ሕዚ ልዕል ክብል እየ፤ ይብል ኣሎ። 11ሓሰር ጠነስኩም፤ ቡቕቡቕውን ወለድኩም፤ እስትንፋስኩም ከዓ ዝበልዐኩም ሓዊ እዩ። 12ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ኽነዱ፥ ከምቲ ተቘሪፁ ኣብ ሓዊ ሞዅ ዝብል ቈጥቋጥ እሾዅ ክኾኑ እዮም። 13ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ዝገበርክዎ ስምዑ፤ ኣብ ቀረባ ዘለኹምውን፥ ሓይለይ ፍለጡ።”
14ኣብ ፅዮን ዘለዉ ሓጥኣን ፈሪሖም ኣለዉ፤ ንኽፉኣት ሰባት ድማ ራዕዲ ሒዝዎም ኣሎ፤ ካባናኸ ምስ ዝባላዕ ሓዊ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? ኻባናኸ ምስቲ ናይ ዘለኣለም ባርዕ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? 15እቲ ብፅድቂ ዝነብር፥ ቅንዕና ዝዛረብ፥ ገንዘብ ዓመፃ ዘይደሊ፥ ጉቦ ኸይቕበል ኢዱ ዝእክብ፥ ደም ምፍሳስ ከይሰምዕ እዝኑ ዝዓፁ፥ ክፉእ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዝዕምት፥ 16ንሱ ኣብ በሪኽ ቦታ ኽነብር፥ ፅኑዕ እምባታት ከዓ መፀግዒኡ ክኸውን፥ እንጀራኡ ድማ ኽረክብ እዩ፤ ማዩውን ኣይነፅፍን እዩ።
ክመፅእ ዘለዎ ኽብሪ
17ኣዒንትኻ ነቲ ንጉስ ብፅባቐኡ ኽሪኣኦ እየን፤ ርሑቕ ንዘላ ሃገርውን ክምልከታ እየን። 18ብልብኻ ድማ “ፀሓፊ ኣበይ ኣሎ? መዛኒኸ ኣበይ ኣሎ? ግንብታት ዝቘፅር ኣበይ ኣሎ?” እናበለ ዘፍርሕ ነገር ይሓስብ። 19ነቲ ጨካን ህዝቢ፥ ነቲ ዘይርዳእ ቋንቋ ዝዛረብ፥ ነቲ ዘይስማዕ ኰርታዕ ዝመልሓሱ ህዝቢ፥ ኣይትሪኦን ኢኻ። 20ንፅዮን፥ ነታ ናይ በዓላትና ኸተማ ተመልከታ፤ ኣዒንትኻ ናይ ሰላም መሕደሪ፥ ነታ ዘይትዘናበል ድንኳን፥ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይንቀል፥ ኣውታራ ኸዓ ኸቶ ዘይብተኽ፥ ንዝኾነት ኢየሩሳሌም ክሪኣ እየን። 21ኣብኣተንውን እግዚኣብሄር ሰፋሕቲ ወሓይዝን ቦታ መስኖን ኮይኑ፥ ብግርማኡ ምሳና ክኸውን እዩ። ብመቕዘፍ ዝምርሓ መራኽብ ኣይኣትዋኣን፥ ዓበይቲ መራኽብውን ብኣኣ ኣይሓልፋን እየን። 22-23ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ። 24ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩስ ሓደ እኳ “ሓሚመ” ዝብል ኣይህሉን። ኣብኣ ንዝቕመጡ ህዝቢ እውን በደሎም ይቕረ ክበሃለሎም እዩ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 33: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in