እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ኸዓ ኻብ ርእሲ እቲ ነዊሕ ፅሕዲ ጨንፈር ወሲደ ኸንብሮ እየ፤ ካብቲ ላዕለዋይ ጠጥዒ፥ ሓንቲ ለይለይ እትብል ሰሊዐ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ እምባ ኽተኽላ እየ። ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ክተኽላ እየ፤ ክትጭንፍርን ክትፈርን ግሩም ዝኾነት ፅሕዲውን ክትከውን እያ፤ ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወንን ኣብ ትሕቲኣ ኽነብራ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ጨናፍራውን ይሰፍራ እየን።