1
ሕዝቅኤል 18:32
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ ተመለሱ፤ ብህይወት ከዓ ንበሩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Compare
Explore ሕዝቅኤል 18:32
2
ሕዝቅኤል 18:20
እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት፤ ውሉድ፥ ሓጢኣት ወላዲኡ ኣይፀውርን፤ ወላዲውን፥ ሓጢኣት ውሉዱ ኣይፀውርን እዩ፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ፥ ኣብ ርእሱ እዩ ዝኸውን።
Explore ሕዝቅኤል 18:20
3
ሕዝቅኤል 18:31
ነቲ ዝበደልኩምዎ በደል ካባኻትኩም ደርብዩ፤ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ንኣኻትኩም ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይ እትሞቱ?
Explore ሕዝቅኤል 18:31
4
ሕዝቅኤል 18:23
ሓጢኣተኛዶ ኽመውት እፈቱ እየ? ፍታወይስ ካብ መንገዱ ኽምለስ፥ ብህይወት ከዓ ኽነብርዶ ግዳ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Explore ሕዝቅኤል 18:23
5
ሕዝቅኤል 18:21
“ግናኸ እቲ ሓጢኣተኛ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ኵሉ ሕግጋተይ ከዓ እንተ ሓለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ድማ እንተ ገበረ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን እዩ።
Explore ሕዝቅኤል 18:21
6
ሕዝቅኤል 18:9
ብሕግጋተይ እንተ ተመላለሰ፥ ፅድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሓለወ፥ ንሱ ፃድቕ እዩ፤ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Explore ሕዝቅኤል 18:9
Home
Bible
Plans
Videos