1
መክብብ 4:9-10
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ብፃዕሮም ፅቡቕ ረብሓ ኽረኽቡ ስለ ዝኽእሉ ኻብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ። ሓደ ኻብኣቶም እንተ ወደቐ እቲ ሓደ ኸተስኦ ይኽእል፤ ሓደ በይኑ እንተ ኾይኑ ግና፥ እንተ ወደቐ ዘተስኦ የብሉን እሞ፥ ወይለኡ።
Compare
Explore መክብብ 4:9-10
2
መክብብ 4:12
እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።
Explore መክብብ 4:12
3
መክብብ 4:11
ከምኡ ኸዓ ኽልቲኦም ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይማወቑ፤ ሓደ በይኑ እንተ ደቀሰ ግና፥ ከመይ ኢሉ ይመውቕ?
Explore መክብብ 4:11
4
መክብብ 4:6
ግና ኽልተ ኢድ ምሉእ ክትረክብ ኢልካ ኻብ ምፅዓርን ደድሕሪ ንፋስ ካብ ምጕያይንስ ሓንቲ ኢድ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ።
Explore መክብብ 4:6
5
መክብብ 4:4
ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
Explore መክብብ 4:4
6
መክብብ 4:13
ካብ ምኽሪ ዘይቕበል ኣረጊትን ዓሻን ንጉስ፥ ድኻን ለባምን መንእሰይ ይሐይሽ።
Explore መክብብ 4:13
Home
Bible
Plans
Videos