ዘዳግም 11:26-28
ዘዳግም 11:26-28 ትመ15
“እንሆ፥ ሎሚ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንብር ኣለኹ። እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም ክትባረኹ ኢኹም። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ መንገዲውን እንተ ኣግሊስኩም፥ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ሰዓብኩም፥ ክትርገሙ ኢኹም።





