1
ዘዳግም 1:30-31
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቲ ቐቅድሜኹም ዝኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዅሉ ኣብ ግብፂ ኽገብረልኩም ዝረአኹምዎ፥ ክንዳኻትኩም ክዋግአልኩም እዩ። ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም።
Compare
Explore ዘዳግም 1:30-31
2
ዘዳግም 1:11
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈወኩም፥ ሽሕ ጊዜ የብዝሕኹምን ይባርኽኩምን።
Explore ዘዳግም 1:11
3
ዘዳግም 1:6
“እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኣብ ኮሬብ ‘ኣብዝ እምባዙይ ዝተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም፤
Explore ዘዳግም 1:6
4
ዘዳግም 1:8
እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃም፥ ንይስሓቅ፥ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኦም ከዓ ንዘርኦም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ እንሆ ሂቡኩም ኣሎ፤ እተውዋን ውረስዋን’ ” ኢሉ ተዛረበና።
Explore ዘዳግም 1:8
5
ዘዳግም 1:17
ነቲ ዓብዪ ኸም እትሰምዕዎ፥ ነቲ ንእሽተይውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፥ ብፍርዲ፥ ገፅ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ብፍርዲ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ዝበርትዐኩም ነገር እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣነ ኽሰምዖ ናባይ ኣምፅእዎ’ ኢለ ኣዘዝኩዎም።
Explore ዘዳግም 1:17
Home
Bible
Plans
Videos