1
2ይ ነገስት 5:1
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንእማን ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ዓቢይን ክቡርን ሰብ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ብእኡ ገይሩ ንሶርያ ዓወት ሂብዎም ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓቢይን ክቡርን ነበረ። ግና ለምፃም ነበረ።
Compare
Explore 2ይ ነገስት 5:1
2
2ይ ነገስት 5:10
ኤልሳዕ ከዓ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ “ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሸውዓተ ሻዕ ተሓፀብ፤ ስጋኻ ድማ ኽሓዊ እዩ” በሎ።
Explore 2ይ ነገስት 5:10
3
2ይ ነገስት 5:14
ሽዑ ወሪዱ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበሎ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሻዕ ጠለቐ፤ ቈርበቱ ኸዓ ሓወየ፤ ከም ቈርበት ንእሽተይ ቘልዓ ኾይኑ ድማ ነፅሀ።
Explore 2ይ ነገስት 5:14
4
2ይ ነገስት 5:11
ንእማን ግና ዀርዩ ክኸይድ ተልዓለ እሞ “እንሆ፥ ኣነስ ብርግፅ ወፂኡ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ተማህሊሉ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ለምፂ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዘሕውየኒ መሲሉኒ ነይሩ።
Explore 2ይ ነገስት 5:11
5
2ይ ነገስት 5:13
ሓሻኽሩ ግና ቕርብ ኢሎም “ጐይታይ፥ እዝ ነቢይ ከቢድ ነገር እንተ ዝእዝዘካስ፥ ኣይምገበርካዮንዶ ኔርካ? ‘ተሓፀብ እሞ ሕወ’ እንተበለካ ግዳ እንታይ ኣለዎ?” ኢሎም ተዛረብዎ።
Explore 2ይ ነገስት 5:13
6
2ይ ነገስት 5:3
ንሳ ንእምበይተኣ “ጐይታይስ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነቢይ እንተ ዝኸይድ ካብ ለምፁ መሕወዮ ነይሩ” በለታ።
Explore 2ይ ነገስት 5:3
Home
Bible
Plans
Videos