1
1ይ ነገስት 19:12
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ሓዊ መፀ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፤ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸዓ ህዱእ ድምፂ መፀ።
Compare
Explore 1ይ ነገስት 19:12
2
1ይ ነገስት 19:4
ንሱ ግና ኣብ ምድረ በዳ መንገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፥ ናብ ፅላል ሓንቲ ኽሊዐው መፂኡ ኾፍ በለ፤ ክመውት ድማ ተመነየ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልፅን እየ እሞ፥ ሕዚ ይኣኽለኒ፤ ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።
Explore 1ይ ነገስት 19:4
3
1ይ ነገስት 19:11
እግዚኣብሄር ከዓ “ወፂእኻ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድመይ ደው በል” በሎ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሓለፈ፤ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ የመና ብርቱዕ ንፋስ መፀ፤ ነቲ እምባታት ሰንጠቖ፤ ነቲ ኣኻውሕ ድማ ሰባበሮ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከዓ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን።
Explore 1ይ ነገስት 19:11
4
1ይ ነገስት 19:13
ኤልያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ገፁ ብበርኖሱ ኸደነ፤ ወፂኡ ኸዓ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፥ ድምፂ ናብኡ መፂኡ “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” በሎ።
Explore 1ይ ነገስት 19:13
5
1ይ ነገስት 19:9
ኣብኡ ኸዓ ናብ በዓቲ ኣተወ፤ ኣብኡውን ሓደረ። “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ።
Explore 1ይ ነገስት 19:9
6
1ይ ነገስት 19:8
ንሱ ድማ ተሲኡ በልዐን ሰተየን እሞ፥ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ኽሳዕ እቲ ዝተቐደሰ እምባ እግዚኣብሄር ኮሬብ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ።
Explore 1ይ ነገስት 19:8
7
1ይ ነገስት 19:5
ኣብ ፅላል እታ ኽሊዐው ከዓ ለጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ፥ መልኣኽ ነቕኒቑ “ተስእ እሞ ብላዕ” በሎ።
Explore 1ይ ነገስት 19:5
8
1ይ ነገስት 19:7
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኣበራቢሩ “ነዊሕ መንገዲ ኣለካ እሞ፥ ተሲእኻ ብላዕ” በሎ።
Explore 1ይ ነገስት 19:7
9
1ይ ነገስት 19:10
ንሱ ኸዓ “ንሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።
Explore 1ይ ነገስት 19:10
10
1ይ ነገስት 19:6
እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እንሆ ኣብ ርሱን እምኒ ዝተሰንከተ ቕጫን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ ደቀሰ።
Explore 1ይ ነገስት 19:6
11
1ይ ነገስት 19:2
ሽዑ ኤልዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፥ ንኤልያስ “ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኻብዚኣቶም ከም ሓንቲ ነፍሲ እንተ ዘይገይረያ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” በለት።
Explore 1ይ ነገስት 19:2
12
1ይ ነገስት 19:18
ኣነ ግና ንጣዖት በዓል ክሰግዱሉ ኢሎም ዘይተምበርከኹን ንምስሉ ብኣፎም ዘይተሳለሙን ኣብ እስራኤል ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ” በለ።
Explore 1ይ ነገስት 19:18
13
1ይ ነገስት 19:19
ኤልያስ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ብዕራይ ገይሩ ኸሕርስ እንተሎ ረኸቦ፤ ኤልሳዕ ባዕሉ ኸዓ በቶም መበል ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ኣብዑር ይሓርስ ነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሓሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ።
Explore 1ይ ነገስት 19:19
14
1ይ ነገስት 19:21
ካብኡ ተመሊሱ ኸዓ፥ ንኽልቲኦም ኣብዑር ሓረዶም፤ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ መሳርዕ ማሕረስ ኣብሲሉ፥ ነቶም ህዝቢ ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ተሲኡ ድማ ንኤልያስ ተኸቲሉ ኸደ፤ የገልግሎውን ነበረ።
Explore 1ይ ነገስት 19:21
15
1ይ ነገስት 19:20
ንሱ ኸዓ ነቶም ኣብዑር ሓዲጉ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፥ “በይዛኻ፥ ነቦይን ንኖይን ስዒመ ኽመፅእ እሞ ብድሕሪኡ ኽስዕበካ ፍቐደለይ” በሎ። ንሱ ድማ “ኪድ ተመለስ፤ እንታይዶ ገይረልካ እየ?” በሎ።
Explore 1ይ ነገስት 19:20
Home
Bible
Plans
Videos