1
1ይ ነገስት 18:37
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ንልባቶም ድማ ናባኻ ኸም ዝመለስካዮ ምእንቲ ኽፈልጡስ ስምዐኒ፤ ኦ እግዚኣብሄር ስምዐኒ” በለ።
Compare
Explore 1ይ ነገስት 18:37
2
1ይ ነገስት 18:36
በታ መስዋእቲ ሰርኪ ዝቐርበላ ጊዜ ድማ ነቢይ ኤልያስ ቀሪቡ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፥ ነዝ ዅሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ፥ ሎሚ ኣፍልጥ።
Explore 1ይ ነገስት 18:36
3
1ይ ነገስት 18:21
ኤልያስ ድማ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብኽልተ ሓሳብ እትሕንክሱ? እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፤ በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኣምላኽ ከዓ ንእኡ ሰዓቡ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
Explore 1ይ ነገስት 18:21
4
1ይ ነገስት 18:38
ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ዕንፀይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን በልዖ። ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሓሶ።
Explore 1ይ ነገስት 18:38
5
1ይ ነገስት 18:39
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ተደፊኦም “እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ! እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ!” በሉ።
Explore 1ይ ነገስት 18:39
6
1ይ ነገስት 18:44
በታ ሻውዐይቲ ጊዜ “ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደመና ኻብ ባሕሪ ትለዓል ኣላ” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ደይብካ ንኣክኣብ ‘ዝናም ከይዓግተካ፥ ሰረገላኻ ፅዒንካ ውረድ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
Explore 1ይ ነገስት 18:44
7
1ይ ነገስት 18:46
ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት፤ ሕቘኡ ተዓጢቑ ድማ ኽሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዝኣቱ፥ ቀቅድሚ ኣክኣብ ይጐዪ ነበረ።
Explore 1ይ ነገስት 18:46
8
1ይ ነገስት 18:41
ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ፥ “ድምፂ ብርቱዕ ዝናም ይስማዕ ኣሎ እሞ፥ ደይብካ ብላዕን ስተን” በሎ።
Explore 1ይ ነገስት 18:41
9
1ይ ነገስት 18:43
ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ውፃእሞ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ” በሎ። ወፂኡ ኣማዕድዩ ኸዓ፥ “ዝኾነ እኳ የለን” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ኪድ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለስ በሎ” እቲ ሓሽከሩ ኸዓ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለሰ።
Explore 1ይ ነገስት 18:43
10
1ይ ነገስት 18:30
ሽዑ ኤልያስ ንዅሎም ህዝቢ “ናባይ ቅረቡ” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ኸዓ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሓደሶ።
Explore 1ይ ነገስት 18:30
11
1ይ ነገስት 18:24
ንስኻትኩም ስም ኣምላኽኩም ፀውዑ፤ ኣነ ድማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክፅውዕ እየ። እቲ ሰሚዑ ብሓዊ ዝምልስ ኣምላኽ ከዓ፥ ንሱ ኣምላኽ ይኹን” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ “እዚኣስ ፅብቕቲ ዘረባ እያ” ኢሎም መለሱ።
Explore 1ይ ነገስት 18:24
12
1ይ ነገስት 18:31
ኤልያስ ድማ፥ ሽምካ እስራኤል ክበሃል እዩ፥ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሉ ያእቆብ፥ ከም ቍፅሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ወሰደ።
Explore 1ይ ነገስት 18:31
13
1ይ ነገስት 18:27
ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ኤልያስ፥ “ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ብሓሳብ ተውሒጡ ኸይህሉ፥ ወይ ኣግሊሱ ወይ ገይሹ ኸይኸውን፥ ምናልባሽ ከዓ ደቂሱ ኸይህሉ፥ ምእንቲ ኽበራበርስ፥ ዓው ኢልኩም ደኣ ፀውዑ” ኢሉ ኣባጨወሎም።
Explore 1ይ ነገስት 18:27
14
1ይ ነገስት 18:32
በተን ኣእማን ከዓ ንስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ ዝሕዝ ጕድጓድ ኰዓተ።
Explore 1ይ ነገስት 18:32
Home
Bible
Plans
Videos