ማቴዎስ 28
28
ኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝተስአ
(ማር. 16፡1-10፥ ሉቃ. 24፡1-12፥ ዮሓ. 20፡1-10)
1 #
ማቴ. 27፡56። ድሕሪ ሰንበት #28፡1 ድሕሪ ሰንበት፦ ናይ ኣይሁድ ስለ ዝኾነ “ቀዳም” እዩ። ለይቲ፥ ናብታ ናይ ሰሙን ቀዳመይቲ መዓልቲ ዘውግሕ፥ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይታ ማርያምን ነቲ መቓብሩ ኽሪኣ መፃ። 2እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ ነበረ እሞ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ቅርብ ኢሉ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ኣንከባሊሉ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። 3ትርኢቱ ኸም መብረቕ ዘንፀባርቕ፥ ክዳኑ ድማ ኸም በረድ ፃዕዳ ነበረ። 4እቶም ሓለውቲ መቓብር ድማ፥ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ከም ዝሞቱውን ኮኑ። 5እቲ መልኣኽ ድማ ነተን ኣንስቲ “ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ኸም ዘለኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሓ። 6#ማቴ. 16፡21። ንሱ ኣብዙይ የለን፤ ከምቲ ዝበሎ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ንዕነ ነታ ጐይታ ተቐቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ረአያ። 7#ማቴ. 26፡32። ቀልጢፍክን ኴድክን፥ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ካብ ሞት ተሲኡ እዩ፤ እንሆ ንሱ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ኣብኡ ድማ ኽትሪእዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም፤ እንሆ ነጊረክን ኣለኹ” በለን። 8ንሳተን ከዓ ኻብቲ መቓብር፥ ብፍርሓትን ብዝለዓለ ታሕጓስን ቀልጢፈን ወፃ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸብስራኦም ድማ ጐየያ።
9ክነግራኦም እናኸዳ እንተለዋ፥ እንሆ ኢየሱስ ተራኸበን እሞ “ሰላም ንኣኻትክን ይኹን!” በለን። ንሳተን ከዓ ቕርብ ኢለን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ። 10#ግ.ሓ. 1፡3፥ 13፡31፥ ዕብ. 2፡11። ሽዑ ኢየሱስ “ኣይትፍርሓ፤ ናብ ኣሕዋተይ ከይድክን፥ ናብ ገሊላ ክኸዱ ንገራኦም፤ ኣብኡ ድማ ኽሪኡኒ እዮም” በለን።
11ንሳተን ምስ ከዳ፥ እንሆ ኻብቶም ወታደራት ገሊኣቶም ናብታ ኸተማ ኣትዮም፥ እቲ ዝኾነ ዅሉ ንሊቃነ ካህናት ነገርዎም። 12ንሳቶም ድማ ምስቶም ዓበይቲ ተኣኪቦም መኸሩ፤ ብዙሕ ገንዘብ ከዓ ነቶም ወታደራት ሃብዎም። 13#ማቴ. 27፡64። “ ‘ንሕና ደቂስና እንተለና፥ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መፂኦም ሰሪቖምዎ’ በሉ። 14እዝ ነገር እዙይ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰሚዑ፥ ንሕና ኽነረድኦ ኢና፤ ንኣኻትኩም ድማ ብዘይ ስግኣት ከም እትነብሩ ክንገብር ኢና” በልዎም። 15ንሳቶም ድማ ገንዘብ ተቐቢሎም፥ ከምቲ ዝነገርዎም ገበሩ። እዝ ነገርዙይ ክሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ኣይሁድ ይንገር ኣሎ።
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝተርኣየ
(ማር. 16፡14-18፥ ሉቃ. 24፡36-49፥ ዮሓ. 20፡19-23፥ ግ.ሓ. 1፡6-8)
16 #
ማቴ. 28፡10። እቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ናብ ገሊላ ናብቲ ኢየሱስ ክኸዱ ዝነገሮም እምባ ኸዱ። 17#ማቴ. 28፡9። ምስ ረአይዎ ኸዓ ሰገዱሉ፤ ገሊኣቶም ግና ተጠራጠሩ። 18#ማቴ. 11፡27፥ 1 ቆሮ. 15፡27፥ ኤፌ. 1፡20-21፥ ፊልጵ. 2፡9። ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤ 19-20#ማር. 16፡15፥20፥ ግ.ሓ. 1፡8፥ 2፡38፥ 18፡10፥ ሮሜ 1፡5፥ 1 ጢሞ. 2፡4። እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
ที่ได้เลือกล่าสุด:
ማቴዎስ 28: ትመ15
เน้นข้อความ
แบ่งปัน
คัดลอก

ต้องการเน้นข้อความที่บันทึกไว้ตลอดทั้งอุปกรณ์ของคุณหรือไม่? ลงทะเบียน หรือลงชื่อเข้าใช้