ማቴዎስ 25

25
ምስላ ዓሰርተ ደናግል
1 # ሉቃ. 12፡35-36፥ ራእይ 19፡7። “በቲ ጊዜ እቱይ መንግስተ ሰማያት፥ መመብራህተን ሒዘን፥ መርዓዊ ኽቕበላ ዝወፃ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። 2ካብኣተን እተን ሓሙሽተ ሰነፋት፥ እተን ሓሙሽተ ኸዓ ለባማት ነበራ። 3እተን ሰነፋት ቀቀንዲለን ሒዘን፥ ዘይቲ ኣይተማልኣን። 4እተን ለባማት ግና፥ መምስ ቀንዲለን ዘይቲ ኣብ ሳርማአን ሒዘን ነበራ። 5መርዓዊ ምስ ደንጐየ ድማ፥ ኵለን ተታኺሰን ደቀሳ። 6ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ‘እንሆ መርዓዊ መፂኡ እዩ እሞ፥ ክትቅበሉ ውፁ!’ ዝብል ዋዕዋዕታን ዕልልታን ኮነ። 7ሽዑ ዅለን እተን ደናግል ተሲአን፥ ቀቀንዲለን ኣሰናደዋ።#25፡7 ኣብ ግእዝ “መርዓዊ ኽቕበላ ወፃ” ዝብል ይርከብ። 8እተን ሰነፋት ግና ነተን ለባማት፥ ‘መብራህትና ኽጠፍአና ኢሉሞ፥ ካብ ዘይትኽን እንዶ ሃባና’ በላአን። 9እተን ለባማት ግና፥ ‘ናብቶም ዝሸጡ ደኣ ኼድክን ንባዕልኻትክን ዓድጋ እምበር፥ ንኣናን ንኣኻትክንን ዝኣክል የብልናን’ በላአን። 10#2 ጴጥ. 3፡17። ክዕድጋ ምስ ከዳ እቲ መርዓዊ መፀ፤ እተን ተዳልየን ዝፀንሓ፥ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፤ በሪ ድማ ተዓፅወ። 11#ማቴ. 7፡22፥ ሉቃ. 13፡25። ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መፂአን ‘ኦ ጐይታ፥ ኦ ጐይታ፥ ክፈተልና’ ” በላ። 12#ማቴ. 7፡23። ንሱ ግና “ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፤ ኣይፈልጠክንን” #25፡12 ኣይፈልጠክንን፦ ግእዝ “ተጊህክን ምሳይ ክተምስያ ኣይከኣልክንን እሞ፥ ከም ዘይፈልጠክን” ይብል። ኢሉ መለሰለን። 13#ማቴ. 24፡42፥44። እምበኣር እታ ወዲ ሰብ ዝመፀላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ።
ምስላ ወሃባይ መክሊት
(ሉቃ. 19፡11-27)
14 # ማር. 13፡34። “መንግስተ ሰማያት ከምቲ ኽገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ፀዊዑ #25፡14 ኣብ ግእዝ “ክነግዱሉ” ዝብል ይርከብ። ገንዘቡ ዝሃቦም ትመስል። 15ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፥ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፥ #25፡15 መክሊት፦ ሓደ መክሊት ሽዱሽተ ሽሕ ዲናር ኣቢሉ ይሽረፍ ነበረ። ሓደ ዲናር ድማ ንሓደ ሰራሕተኛ ናይ ሓደ መዓልቲ ደመወዝ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ክልተ መክሊት፥ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ናብ ካልእ ሃገር ከደ። 16እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ፥ ሽዑ ኸይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ኣትረፈ። 17እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ካልእ ኽልተ መክሊት ኣትረፈ። 18እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና ኸይዱ፥ ምድሪ ዅዒቱ ገንዘብ ጐይታኡ ሓብአ። 19#2 ቆሮ. 5፡10። ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ጐይታ እቶም ኣገልገልቲ መፂኡ ኽፀባፀቦም ጀመረ። 20እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ቐሪቡ ‘ጐይታይ! ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፤ እንሆ ድማ ኻልእ ኣብ ልዕሊአን ሓሙሽተ መክሊት ኣትረፍኩ’ እናበለ፥ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምፅአ። 21#ማቴ. 24፡45-47፥ ሉቃ. 16፡10። ጐይታኡ ድማ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ። 22እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ቀሪቡ ‘ጐይታይ! ክልተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፤ እንሆ ኸዓ ኽልተ ኻልኦት መክሊት ኣብ ልዕሊአን ኣትሪፈ ኣለኹ’ በለ። 23ጐይታኡ ኸዓ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ። 24እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ቀሪቡ ‘ጐይታይ! ዘይዘራእኻዮ እትዓፅድ፥ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብ ምዃንካ እፈልጥ እየ፤ 25ስለ ዝፈራሕኹውን፥ ከይደ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሓባእኽዎ፤ ሕዚ ኸዓ እንሆ ገንዘብካ’ በሎ። 26እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፦ ‘ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእኽዎ ኸም ዝዓፅድ፥ ዘይበተንክዎ ኸም ዝእክብ ትፈልጥ እንተ ደኣ ኔርኻ፥ 27ነቲ ገንዘበይ ንመሽረፍቲ ኽትህቦ ምተገብአካ ነይሩ፤ ኣነ ኸዓ መፂአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ። 28እምበኣርከስ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣሕዲግኩም ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ። 29#ማቴ. 13፡12። ንዘለዎ ዅሉ ይህብዎ፤ ይውስኽዎውን፤ ንዘይብሉ ግና፥ እቲ ዘለዎ እኳ የሕድግዎ እዮም እሞ። 30#ማቴ. 8፡12። ነዝ ሃካይ ኣገልጋሊ ግና፥ ናብ ፍፁም ፀልማት ኣውፂእኹም ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።’
መወዳእታ ፍርዲ
31 # ማቴ. 24፡30። “ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም ቅዱሳን መላእኽቱ፥ ብኽብሩ ኣብ ዝመፀሉ ጊዜ፥ ሽዑ ኣብ ዙፋን ክብሩ ኽቕመጥ እዩ። 32#ሕዝ. 34፡17፥ ኢዩ. 3፡12፥ ማቴ. 13፡49። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽእከቡ እዮም፤ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈሊ፥ ከምኡ ኸዓ ንሱ በብወገኖም ክፈልዮም እዩ። 33ነባጊዕ ብየማኑ፥ ነጣል ድማ ብፀጋሙ ኸቕውም እዩ። 34#ማቴ. 20፡23፥ ሉቃ. 12፡32፥ ያቆ. 2፡5፥ 1 ጴጥ. 1፡3-5። ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ #25፡34 ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፦ ግእዝ “ዓለም እንተይተፈጠረ” ይብል። ዝተዳለወልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ። #25፡34 ክትወርሱ ንዑ፦ ግእዝ “ናባይ ንዑ” ይብል። 35ጠምየ፥ ኣብሊዕኹምኒ፤ ፀሚአ፥ ኣስቲኹምኒ፤ ጋሻ ኾይነ፥ ተቐቢልኩምኒ፤ 36#ኢዮብ 31፡34፥ ኢሳ. 58፡7፥ ሉቃ. 14፡13-14፥ ያቆ. 1፡27፥ 2፡15-16፥ ዕብ. 10፡34፥ 13፡1-2። ዓሪቐ፥ ከዲንኩምኒ፤ ሓሚመ፥ በፂሕኹምኒ፤ ተኣሲረ፥ ናባይ መፂእኹም ጠዪቕኩምኒ ኢኹምሞ’ ኽብሎም እዩ። 37ሽዑ እቶም ፃድቃን ‘ኦ ጐይታ፥ መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ኣብሊዕናካ? ወይ ፀሚእኻስ ኣስቲናካ? 38መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኢናካስ ተቐቢልናካ? ወይ ዓሪቕካስ ከዲንናካ? 39መኣዝ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ በፂሕናካ?’ ይብልዎ። 40#ዕብ. 6፡10፥ ምሳ. 19፡17። እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት #25፡40 ኣብ ግእዝ “ብኣይ ዝኣምኑ” ዝብል ይርከብ። ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም።
41 # ማቴ. 7፡23። “ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤ 42ጠምየ፥ ኣየብላዕኹምንን፤ ፀሚአ፥ ኣየስተኹምንን፤ 43ጋሻ ኾይነ፥ ኣይተቐበልኩምንን፤ ዓሪቐ፥ ኣይከደንኩምንን፤ ሓሚመን ተኣሲረን፥ ኣይበፃሕኹምንን’ ይብሎም። 44ሽዑ ንሳቶም #25፡44 ግእዝ “እቶም ብፀጋሙ ዘለዉ” ይብል። ‘ኦ ጐይታ፥ መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ወይ ፀሚእኻ ወይ ጋሻ ዄንካ ወይ ዓሪቕካ ወይ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ ዘየገልገልናካ?’ ኢሎም ይምልሱሉ። 45#1 ቆሮ. 8፡12። ሽዑ ‘እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዘይገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኢሉ ይምልሰሎም። 46#ዳን. 12፡2፥ ዮሓ. 5፡29፥ ሮሜ 2፡7-8። ሽዑ ንሳቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ቅፅዓት፥ ፃድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክኸዱ እዮም።”

ที่ได้เลือกล่าสุด:

ማቴዎስ 25: ትመ15

เน้นข้อความ

แบ่งปัน

คัดลอก

None

ต้องการเน้นข้อความที่บันทึกไว้ตลอดทั้งอุปกรณ์ของคุณหรือไม่? ลงทะเบียน หรือลงชื่อเข้าใช้