1
ማቴዎስ 6:33
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።
比較
ማቴዎስ 6:33で検索
2
ማቴዎስ 6:34
እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።”
ማቴዎስ 6:34で検索
3
ማቴዎስ 6:25
ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?
ማቴዎስ 6:25で検索
4
ማቴዎስ 6:6
ንስኻ ግና ኽትፅሊ እንተለኻ፥ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻ ዓፂኻ ድማ፥ ናብቲ ብስዉር ዘሎ ኣቦኻ ፀሊ። እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።
ማቴዎስ 6:6で検索
5
ማቴዎስ 6:9-10
“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤
ማቴዎስ 6:9-10で検索
6
ማቴዎስ 6:11
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤
ማቴዎስ 6:11で検索
7
ማቴዎስ 6:12
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤
ማቴዎስ 6:12で検索
8
ማቴዎስ 6:13
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
ማቴዎስ 6:13で検索
9
ማቴዎስ 6:14
“ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፥ ንኣኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ክሓድገልኩም እዩ።
ማቴዎስ 6:14で検索
10
ማቴዎስ 6:26
ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልፁን?
ማቴዎስ 6:26で検索
11
ማቴዎስ 6:19-21
“ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ። ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ ሃብቲ ኣክቡ እምበር። ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ እሞ።
ማቴዎስ 6:19-21で検索
12
ማቴዎስ 6:24
“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
ማቴዎስ 6:24で検索
13
ማቴዎስ 6:30
እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ፥ ፅባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ዘይኸድነኩም!
ማቴዎስ 6:30で検索
14
ማቴዎስ 6:3-4-3-4
ንስኻ ግና ኽትምፅውት እንተለኻ፥ የማነይትኻ እትገብሮ ፀጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምፅዋትካ ብሕቡእ ይኹን፤ እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ እሞ።
ማቴዎስ 6:3-4-3-4で検索
15
ማቴዎስ 6:1
“ብሰብ ምእንቲ ኽትረአዩ ኢልኩም፥ ምፅዋትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኮነ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም፥ ዓስቢ የብልኩምን።
ማቴዎስ 6:1で検索
16
ማቴዎስ 6:16-17-18
“እቶም ግብዛት ፀወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ገፆም የፀምልዉ እዮም እሞ፥ ክትፆሙ እንተለኹም፥ ከምኣቶም ገፅኩም ኣይተፀምልዉ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ንስኻ ግና ኽትፀውም እንተለኻ፥ እቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ እምበር፥ ከም እትፀውም ሰብ ከይፈልጥ ርእስኻ ተቐባእ፤ ገፅካውን ተሓፀብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።
ማቴዎስ 6:16-17-18で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ