1
ማቴዎስ 5:15-16
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
መብራህቲ ኣብ ገዛ ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኸብርህ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ የንብርዎ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣየንብርዎን። ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
比較
ማቴዎስ 5:15-16で検索
2
ማቴዎስ 5:14
“ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ፥ ክትስወር ኣይትኽእልን እያ።
ማቴዎስ 5:14で検索
3
ማቴዎስ 5:8
ንፁሃት ልቢ ብፁኣን እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ክሪእዎ እዮም እሞ።
ማቴዎስ 5:8で検索
4
ማቴዎስ 5:6
ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።
ማቴዎስ 5:6で検索
5
ማቴዎስ 5:44-45
ኣነ ግና ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
ማቴዎስ 5:44-45で検索
6
ማቴዎስ 5:3
“ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።
ማቴዎስ 5:3で検索
7
ማቴዎስ 5:9
ገበርቲ ሰላም ብፁኣን እዮም፤ ውሉድ እግዚኣብሄር ክበሃሉ እዮም እሞ።
ማቴዎስ 5:9で検索
8
ማቴዎስ 5:4
ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ።
ማቴዎስ 5:4で検索
9
ማቴዎስ 5:10
ምእንቲ ፅድቂ ዝስደዱ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።
ማቴዎስ 5:10で検索
10
ማቴዎስ 5:7
ዝምሕሩ ብፁኣን እዮም፤ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ።
ማቴዎስ 5:7で検索
11
ማቴዎስ 5:11-12
“ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፥ እንተ ኣሳጐጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም። ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጎምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ፤ ደስውን ይበልኩም።”
ማቴዎስ 5:11-12で検索
12
ማቴዎስ 5:5
የዋሃን ብፁኣን እዮም፤ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም እሞ።
ማቴዎስ 5:5で検索
13
ማቴዎስ 5:13
“ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም፤ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርቢዩ፥ ብእግሪ ሰብ ክርገፅ እንተ ዘይኮይኑስ ዝጠቕሞ የብሉን።
ማቴዎስ 5:13で検索
14
ማቴዎስ 5:48
“እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ፍፁም ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ፍፁማን ኩኑ።”
ማቴዎስ 5:48で検索
15
ማቴዎስ 5:37
ነገርኩም ‘እወ፥ እወ’ ወይ ከዓ ‘ኣይኮነን፥ ኣይኮነን’ ደኣ ይኹን። ካብዙይ ዝሓለፈ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ እዩ።
ማቴዎስ 5:37で検索
16
ማቴዎስ 5:38-39
“ ‘ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፥ ስኒ ኽንዲ ስኒ’ ኸም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ [ብኽፉእ] ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ።
ማቴዎስ 5:38-39で検索
17
ማቴዎስ 5:29-30
የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ። የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካውን፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።
ማቴዎስ 5:29-30で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ