ሶፎንያስ 3
3
ሓጢኣት ኢየሩሳሌምን መፃኢ ምድሓናን
1ነታ ዓላዊትን ርኽስትን፥ እትገፍዕን ከተማ፥ ወይለኣ! 2ንድምፂ ኣይሰምዐትን፤ ተግሳፅውን ኣይተቐበለትን፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ኣይተኣመነትን፤ ናብ ኣምላኻውን ኣይቀረበትን። 3ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኣሕሉቓ ከም ዝጓዝሙ ኣናብስ እዮም፤ ፈራዶኣውን፥ ንንግሆ ሓደ እኳ ኸም ዘየትርፉ ጥሙያት ተዃሉ ምሸት እዮም። 4ነቢያታ ቐለልትን ተንኰለኛታትን እዮም። ካህናታ ንመቕደስ የርክስዎ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ግፍዒ ፈፂሞም እዮም። 5ኣብ ማእኸላ ዘሎ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ፤ ክፉእውን ኣይገብርን፤ ንግሆ ንግሆ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውፅእ፥ ተሓቢኡውን ኣይተርፍን እዩ፤ እቲ ዓማፂ ግና ኣይሓንኽን።
6እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ንኣህዛብ ኣፅነትክዎም፤ ንግምብታቶም ድማ ኣዕነኹወን፤ ንመንገድታቶምውን፥ ሓደ እኳ ኸይሓልፈን ኣባደምክወን። ከተማታቶም ከዓ ዝነብረን ዘይብለን ኮይነን ዓነዋ። 7ኣነ ድማ ደጊምስ ከኽብሩንን ተግሳፀይ ክቕበሉን፥ ምእንቲ መንበሪኦም ከይጠፍእ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩዎምውን ኣይርስዑን እዮም ኢለ ነይረ፤ ንሳቶም ግና ኣንጊሆም ግብሮም ኣርከሱ።”
8“መዓተይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፥ ንኣህዛብ ክእክቦም፥ ንመንግስታት ከዓ ንምትእኽኻብ ፍርደይ እዩ እሞ፥ ክሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተፀበዩኒ፤ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትነድድ እያሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
9“በታ እዋን እቲኣ፥ ኵሎም ኣህዛብ ብሓባር ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግልዎን፥ ስሙውን ምእንቲ ኽፅውዑን፥ ንፁህ ልሳን ክህቦም እየ። 10እቶም ፋሕ ዝበሉ ናባይ ዝምህለሉ ደቀይ፥ ካብ ክንየው ሩባታት ኢትዮጵያ እንተይተረፈ መባእ ከምፅኡለይ እዮም። 11በታ እዋን እቲኣ፥ ኣነ ነቶም ዕቡያት ካብ ማእኸልኪ ኸውፅኦም እየሞ፥ ንስኺውን ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣባይ ኣይትዕበዪን ኢኺ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይትሓፍሪን ኢኺ። 12ኣብ ማእኸልኪ የዋህን ትሑትን ህዝቢ ኸትርፍ እየ፤ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ክእመኑ እዮም። 13#ራእይ 14፡5። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”
መዝሙር ሓጐስ
14ኦ ጓል ፅዮን፥ ዘምሪ፤
ኦ እስራኤል ብሓጐስ ዕልል በል፤
ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብምሉእ ልብኺ ተሓጐሲ፤
ደስ ከዓ ይበልኪ።
15እግዚኣብሄር ንመቕፃዕትኺ ኣርሓቖ፤
ንፀላእትኺ ሰጐጎም፤
ንጉስ እስራኤል እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልኪ ኣሎ፤
ድሕሪዙይ ዝኾነ ኽፉእ ነገር ኣይትርእዪን።
16በታ መዓልቲ እቲኣ ንኢየሩሳሌም፥
“ኦ ኸተማ ፅዮን፥ ኣይትፍርሒ፤
ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ።
17እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ኣብ ማእኸልኪ ዘናግፍ ሓያል እዩ፤
ብታሕጓስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፤
ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤
ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፥ ክበሃል እዩ።
18ነቶም ኣብ ጉባኤ ርሒቖም ዝሓዝኑ፥
ነቶም ካባኺ ዝኾኑ ኽእክብ እየ፤
ፀርፊ ኸም ፆር ከቢድዎም ነይሩ።
19እንሆ፥ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሎም ነቶም ዝጭቁኑኹም ክፃረሮም እየ፤
ነቶም ዝሓንከሱ ኸድሕኖም፥
ነቶም ዝተሰደዱ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤
ኣብቲ ዅሉ ዝሓፈሩሉ ምድሪ፥ ንምስጋናን ንዝኸበረ ስምን ክገብሮም እየ።
20በቲ ጊዜ እቱይ ክመልሰኩም እየ፤
በቲ እዋን እቱይ ክእክበኩም እየ፤
ምርኮኹም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ምስ መለስኩልኩም፥
ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥
ንዝኸበረ ስምን ንምስጋናን ክገብረኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
Currently Selected:
ሶፎንያስ 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in