ሶፎንያስ 2
2
መፀዋዕታ ንስሃ
1-2ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፥ እቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እንተይወፀ፥ እቲ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ እንተይሓለፈ፥ እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር እንተይመፀኩም፥ እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተየርከበትኩም፥ ተኣከቡ። 3ኣቱም ፍርዱ እትሕልዉ፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ኵላትኩም ትሑታት፥ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ። ምናልባሽ በታ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ዝገልፀላ መዓልቲ እንተ ተሓባእኹምስ፥ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፤ ትሕትናውን ድለዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ንርእስኹም ኣዋርዱ።
ጥፍኣት ጐረባብቲ እስራኤል
4ጋዛ ኽትብዝበዝ እያ፤ ኣስቃሎንውን ክትባድም እያ። ንኣዛጦን ከዓ ብቐትሪ ናብ ወፃኢ ኽሰጕዋ እዮም፤ ኣስቀሎና ድማ ኽትንቀል እያ። 5ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝነብሩ ከሊታውያን፥ ወይለኦም! ኦ ከነዓን ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ፤ ዝነብረካ ሰብ ክሳዕ ዘይርከብ ድማ ኸጥፍአካ እየ። 6ቀርጤስውን መንበሪ ጓሶትን፥ ደምበ መጓሰን ክኸውን እዩ። 7#ኢሳ. 14፡29-31፥ ኤር. 47፡1-7፥ ሕዝ. 25፡1-11፥ ኢዩ. 3፡4-8፥ ኣሞፅ 1፡6-8፥ ዘካ. 9፡5-7። እቲ ገማግም ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክምልከቶም፥ ምርኮኣቶምውን ክምልሰሎም እዩሞ፥ ኣብኡ ኽጓስዩ እዮም፤ ምሸት ከዓ ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ክድቅሱ እዮም።
8“ኣነ፥ እቲ ህዝቢ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ንህዝበይ ብዛዕባ ርስቶም እናተዓበዩ ዘላግፁሎምን ዝፀርፍዎምን ፀርፊ ሰሚዐዮ ኣለኹ። 9#ዘፍ. 19፡24። ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየሞ፥ ብርግፅ ሞኣብ ከም ሰዶም፥ ደቂ ኣሞንውን ከም ገሞራ፥ ምድሮምውን ዓውሊ ዝወረሶን፥ ጕድጓድ ጨውን፥ ንዘለኣለም ዝዓነወን ክኸውን እዩ። እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ህዝበይ ክዘምትዎም፥ ሓድጊ ህዝበይውን ክወርስዎም እዮም።”
10ንህዝቢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣላጊፆምሉን፥ ተዓብዮምሉን እዮም እሞ፥ እዙይ ብሰንኪ ትዕቢቶም ክወርዶም እዩ። 11#ኢሳ. 15፡1—16፡14፥ 25፡10-12፥ ኤር. 48፡1—49፡6፥ ሕዝ. 21፡28-32፥ 25፡1-11፥ ኣሞፅ 1፡13-15። እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።
12 #
ኢሳ. 18፡1-7። ኣቱም ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፥ ብሰይፈይ ክትቕተሉ ኢኹም።
13ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ክዝርግሕ እዩ እሞ፥ ንኣሶር ከጥፍኣ እዩ። ንነነዌ ድማ ኸባድማን፥ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ክገብራን እዩ። 14ንሳ ናይ ኵሎም ኣህዛብ እንስሳ ዝዔማላ ስፍራ ኽትከውን እያ። ኣባ ጕምባሕን ቅንፍዝን ኣብቲ ዝፈረሰ ጕልላታ ኽሓድሩ እዮም፤ ድምፆም ከዓ ኻብቲ መሳዅታ ኽስማዕ እዩ። ኳዃት ኣብ ልዳውታ ኾይኖም ከድምፁ እዮም፤ እቲ ብፅሕዲ ሊባኖስ ዝተሰርሐ ስርሓት ድማ ኽቕላዕ እዩ። 15#ኢሳ. 10፡5-34፥ 14፡24-27። ነታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸዓ “ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ሓደ እኳ የለን” እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ፤ ክንድዙይ ዝባደመትን መሕደሪ ኣራዊትን ከመይ ኮነት! ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ኢዱ እናዋጣወጠ ይፋፅየላ።
Currently Selected:
ሶፎንያስ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: