ዘካርያስ 5
5
ዘካርያስ ብምስሊ ዝነፍር ጥቕሉል መፅሓፍ ዝረአዮ ራእይ
1መሊሰውን ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ ረአኹ። 2ንሱ ድማ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ከዓ ዝወርዳ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ እርኢ ኣለኹ” በልክዎ።
3ንሱ ኸዓ “እዙይ እቲ ኣብ ኵላ ገፅ ምድሪ ዝወፅእ መርገም እዩ፦ ኵሉ ዝሰርቕ፥ ብመጠን እቲ ኣብ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ኽድምሰስ እዩ፤ ብሓሰት ዝምሕል ከዓ፥ ከምቲ ኣብቲ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ክድምሰስ እዩ። 4ኣነ ኸውፅኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ኣነ ነዝ መርገም እዙይ ክሰዶ እየ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን፥ ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሰት ዝምሕልን ክኣቱ እዩ። ኣብ ቤቱውን ክነብር እዩ፤ ንእኡን ቤቱን ዕንፀይቱን እምኑን ከዓ ኸጥፍኦ እዩ።”
ዘካርያስ ኣብ ሳፁን ዝተቐመጠት ሰበይቲ ዝረአዮ ራእይ
5እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ወፀ፤ “ኣዒንትኻ ኣልዕልሞ እዛ እትወፅእ ዘላ እንታይ ከም ዝኾነት ረአ” በለኒ።
6ኣነ ኸዓ “እንታይ እያ?” በልክዎ። ንሱ ድማ እዛ እትወፅእ ዘላ “መስፈሪ ኢፍ #5፡6 ሓደ መስፈሪ ኢፍ፦ “40 ኪሎ” ኣቢሉ ይኸውን። እያ” በለኒ። ንሱ ድማ ቐፂሉ “እዙይ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ በደል ህዝቢ እዩ” በለኒ።
7እንሆ ነቲ ናቱ መኽሊት ኣልዓልዎ። እንሆ ኣብ ውሽጢ እቲ መስፈሪ ኢፍ ከዓ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት።
8ንሱ ድማ “እዚኣ ኽፍኣት እያ” ኢሉ ናብ መስፈሪ ኢፍ መሊሱ ደርበያ። ነቲ መኽደን እቲ ዓረር፥ ድማ ናብ ኣፍ እቲ መስፈሪ ኢፍ ደርበዮ። 9መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዒለ ጠመትኩ፤ እንሆ ኽልተ ኣንስቲ ወፃ፤ ኣብ ኣኽናፈንውን ንፋስ ነበረ። ኣኽናፈን ከም ኣኽናፍ ራዛ ነበራ፤ ነቲ መስፈሪ ኢፍውን፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓላኦ።
10ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “ነዝ መስፈሪ ኢፍ፥ ናበይ እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ?” በልክዎ። 11ንሱ ኸዓ “ቤት ምእንቲ ኽሰርሓሉ ናብ ምድሪ ሰናዖር እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ። ምስተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኽነብር እዩ” በለኒ።
Currently Selected:
ዘካርያስ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in