YouVersion Logo
Search Icon

መሃልየ 6

6
1ኣቲ ሕልፊ ዅለን ኣንስቲ እትፅብቒ፥
ፈታዊኺ ናበይ እዩ ኸይዱ?
ምሳኺ ሓቢርና ኽንደልዮስ፥
ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ?
2ፍቱወይ ክጓስን ዕምበባታት ክእክብን፥
ናብ ገነቱ፥ ናብቲ ሽቱ ዝበቝለሉ ኽፍሊ እዩ ወሪዱ።
3ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤
ፍቱወይ ከዓ ናተይ እዩ፤
ንሱ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት፥
መጓሰኡ ይጓሲ ኣሎ።
ሓምሻይ መዝሙር
4ኣቲ ፍቕርተይ፥ ከም ከተማ ቴርሳ ፅብቕቲ፥
ከም ከተማ ኢየሩሳሌም ባህ እተብሊ ኢኺ፤
ሰንደቕ ዕላማ ኸም ዝሓዘ ሰራዊት፥
እተፍርሒ ኢኺ።
5ኣዒንትኺ ኣፍሪሐናኒ እየንሞ ኻባይ መልሲ፤
ፀጕሪ ርእስኺ ኻብ እምባ ገለዓድ
ከም ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።
6ኣስናንኪ፥ ካብ ምሕፃብ ከም ዝወፃ
መኻን ዘይብለን ኵለን ማንታ ማንታ ዝወልዳ
መጓሰ ኣባጊዕ እየን።
7ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ዘሎ ምዕጕርታትኪ፥
ከም ምቃል ሮማን እዩ።
8ስሳ ንግስትታት፥ ሰማንያ ዕቁባት፥
ቍፅሪ ዘይብለን ኣዋልድውን ኣለዋ።
9ግና ርግበይ፥ ፍፅምተይ፥ ሓንቲ እያ፤
ንሳ ንኖኣ ሓንቲ እያ፤ ንወላዲታውን ምርፅቲ እያ፤
ኣዋልድ ሪአን “ኣሞገሳኣ፤”
ንግስታትን ዕቁባትን ድማ ነኣድኣ፥
10እዛ ኸም ወጋሕታ ብርሃን ቅልቅል እትብል፥
ከም ወርሒ ፅብቕቲ፥ ከም ፀሓይ ብርህቲ፥
ሰንደቕ ዕላማ ሒዙ ኸም ዝተሰለፈ ሰራዊት፥
ግርማኣ ዘፍርሕ እዚኣ መን እያ?
11ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፥
ተኽሊ ወይኒ ጠጢዑ እንተ ኾይኑ፥
ሮማንውን ዓምቢቡ እንተ ኾይኑ ኽርኢ፥
ናብ ኣታኽልቲ ለውዝ ወረድኩ።
12እንተይፈለጥኩ፥ ነፍሰይ ኣብ ክቡር ሰረገላ ኣቐመጠትኒ።
13ኣቲ ሱላማጢስ ተመለሲ፤ ተመለሲ፤
ምእንቲ ኽንርእየኪ ተመለሲ፤ ተመለሲ።
ብሱላማጢስ እንታይ ትሪኡ ኣለኹም?
ንሳ ኸም ደርፊ ማሃናይም እያ።

Currently Selected:

መሃልየ 6: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in