መሃልየ 2
2
1ኣነ ፅጌረዳ ሳሮን፥ ናይ ቈላ ዕምበባውን እየ።
2እታ ፍቕርተይ ኣብ ማእኸል ቈናጁ ኣጓላት እያ፤
ከም ኣብ ማእኸል እሾዅ ዝበቘለት ዕምበባ ሱፍ እያ።
3ከምኡ ፍቱወይ ኣብ ማእኸል ኣወዳት እዩ፤
ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ምልዖ እዩ፤
ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤
ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤
4ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፤
ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ዕላማውን ፍቕሪ እዩ።
5ብፍቕሩ ተነዲፈ ሓሚመ እየሞ፥
ብጎጎ ዘቢብ ኣፅንዑኒ፤
ብምልዖ ኣበርትዑኒ።
6ፀጋመይቲ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ርእሰይ እያ፤
የማነይቲ ኢዱ ኸዓ ትሓቝፈኒ።
7ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥
ባዕሉ ኽሳዕ ዝደሊ፥
ንፍቑረይ ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን፥
ብዓጋዜንን ብዋልያ በረኻን
ኣምሕለክን ኣለኹ።
ካልኣይ መዝሙር
8ድምፂ ፍቱወይ እንሆ፥
ኣብ ልዕሊ እምባታት እናዘለለ፥
ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት እናተናጠረ ይመፅእ ኣሎ።
9ፍቱወይ ንሜዳቝን ርሕዶ ዋልያን ይመስል፤
እንሆ፥ ድሕሪ ግድግዳ ገዛ ደው ኢሉ ብመስኮት ይርኢ፥
ብዓይኒ ርግቢውን፥ ናብ ውሽጢ ይጥምት ኣሎ።
10ፍቱወይ፥ ኣቲ ፍቕርተይ ተስኢ፤
ኣቲ ፅብቕተይ፥ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ።
11እንሆ፥ ክረምቲ ሓሊፉ፥
ዝናምውን ዛርዩ፥ ተወዲኡ እዩሞ።
12ዕምበባታት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ተራእዩ፤
ጊዜ መዝሙር በፅሐ፤
ድምፂ ባሬቶ ኸዓ ኣብ ምድርና ተሰምዐ።
13ፍረ በለስ ጐጕቡ፥
ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ይህብ ኣሎ፤
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ተስኢ፤ ፅብቕተይ ንዒ።
14ኣቲ ኣብ ቋቝራ ኰዅሒ፥
ኣብ መሕብኢ ፀድፊ ዘለኺ፥ ርግበይ፥
ድምፅኺ ጥዑም፥ መልክዕኺ ፅቡቕ እዩ እሞ፥
ገፅኪ ኣርእይኒ፤ ድምፅኺውን ኣስምዕኒ።
15ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፥
ነታኽልቲ ወይንና ዘበላሽዋ ወኻሩት፥
ነተን ኣናእሽተይ ወኻሩት፥ ኣፃዊድኩም ሓዙልና።
16ፍቱወይ ናተይ እዩ፤ ኣነውን ናቱ እየ፤
ንሱ ንመጓሰኡ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ የውፍረን።
17መዓልቲ ኽሳዕ ዝድህር፥
ፅላሎት ድማ ኽሳዕ ዝሃድምስ፥
ኣታ ፍቱወይ ተመለስ፤
ከምተን ኣብ እምባታት ዘለዋ ሜዳቛት፥
ወይ ከም ብተይ ሰስሓ ምሰል።
Currently Selected:
መሃልየ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
መሃልየ 2
2
1ኣነ ፅጌረዳ ሳሮን፥ ናይ ቈላ ዕምበባውን እየ።
2እታ ፍቕርተይ ኣብ ማእኸል ቈናጁ ኣጓላት እያ፤
ከም ኣብ ማእኸል እሾዅ ዝበቘለት ዕምበባ ሱፍ እያ።
3ከምኡ ፍቱወይ ኣብ ማእኸል ኣወዳት እዩ፤
ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ምልዖ እዩ፤
ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤
ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤
4ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፤
ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ዕላማውን ፍቕሪ እዩ።
5ብፍቕሩ ተነዲፈ ሓሚመ እየሞ፥
ብጎጎ ዘቢብ ኣፅንዑኒ፤
ብምልዖ ኣበርትዑኒ።
6ፀጋመይቲ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ርእሰይ እያ፤
የማነይቲ ኢዱ ኸዓ ትሓቝፈኒ።
7ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥
ባዕሉ ኽሳዕ ዝደሊ፥
ንፍቑረይ ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን፥
ብዓጋዜንን ብዋልያ በረኻን
ኣምሕለክን ኣለኹ።
ካልኣይ መዝሙር
8ድምፂ ፍቱወይ እንሆ፥
ኣብ ልዕሊ እምባታት እናዘለለ፥
ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት እናተናጠረ ይመፅእ ኣሎ።
9ፍቱወይ ንሜዳቝን ርሕዶ ዋልያን ይመስል፤
እንሆ፥ ድሕሪ ግድግዳ ገዛ ደው ኢሉ ብመስኮት ይርኢ፥
ብዓይኒ ርግቢውን፥ ናብ ውሽጢ ይጥምት ኣሎ።
10ፍቱወይ፥ ኣቲ ፍቕርተይ ተስኢ፤
ኣቲ ፅብቕተይ፥ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ።
11እንሆ፥ ክረምቲ ሓሊፉ፥
ዝናምውን ዛርዩ፥ ተወዲኡ እዩሞ።
12ዕምበባታት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ተራእዩ፤
ጊዜ መዝሙር በፅሐ፤
ድምፂ ባሬቶ ኸዓ ኣብ ምድርና ተሰምዐ።
13ፍረ በለስ ጐጕቡ፥
ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ይህብ ኣሎ፤
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ተስኢ፤ ፅብቕተይ ንዒ።
14ኣቲ ኣብ ቋቝራ ኰዅሒ፥
ኣብ መሕብኢ ፀድፊ ዘለኺ፥ ርግበይ፥
ድምፅኺ ጥዑም፥ መልክዕኺ ፅቡቕ እዩ እሞ፥
ገፅኪ ኣርእይኒ፤ ድምፅኺውን ኣስምዕኒ።
15ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፥
ነታኽልቲ ወይንና ዘበላሽዋ ወኻሩት፥
ነተን ኣናእሽተይ ወኻሩት፥ ኣፃዊድኩም ሓዙልና።
16ፍቱወይ ናተይ እዩ፤ ኣነውን ናቱ እየ፤
ንሱ ንመጓሰኡ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ የውፍረን።
17መዓልቲ ኽሳዕ ዝድህር፥
ፅላሎት ድማ ኽሳዕ ዝሃድምስ፥
ኣታ ፍቱወይ ተመለስ፤
ከምተን ኣብ እምባታት ዘለዋ ሜዳቛት፥
ወይ ከም ብተይ ሰስሓ ምሰል።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in