YouVersion Logo
Search Icon

መሃልየ 1

1
ቀዳማይ መዝሙር
1ናይ ሰሎሞን መሃልየ መሃልይ።
# 1 ነገ. 4፡32። 2ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፥
ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ።
3ቅብእኻ ምዑዝ ሽቱ ኣለዎ፤
ስምካ ኸም ዝፈስስ ምዑዝ ሽቱ እዩ፤
ስለዙይ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።
4ሰሓበኒ እሞ ደድሕሬኻ ኽንጐዪ ኢና፤
እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኚኡ ኣእተወኒ፤
ብኣኻ ኽንሕጐስን ደስ ክብለናን እዩ፤
ሕልፊ ወይኒ፥ ንፍቕርኻ ንሓስብ ኢና፤
ብቕንዕና እየን ዝፈትዋኻ።
5ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ፀላም እየ፤
ግና ፅብቕቲ እየ፤
ከም ድንኳናት ቄዳር፥
ከም መጋረጃታት ሰሎሞን እየ።
6ፀሓይ መልክዐይ ኣፀሊማትኒ እያሞ፥
ፀላም ብምዃነይ ኣይትጠምታኒ፤
ደቂ እኖይ ፀልኡኒ፤
ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ገበሩኒ፤
ናይ ባዕለይ ኣትክልቲ ወይኒ ግና ኣይሓለኹን።
7ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፥ እስኪ ንገረኒ፤
ንመጓሰኻ ኣበይ ተውፍረን?
ቀትርኸ ኣበይ ኢኻ እተዕርፈን?
ስለ ምንታይከ ደድሕሪ መጓሰ ኣዕርክትኻ ዀለል ዝብል?
8ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትፅብቒ፥
ዘይትፈልጢ እንተ ዄንኪ፥
ኣስኣሰር መጓሰ ተኸቲልኪ ውፂ፤
መሓስእ ኣጣልኪ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ኣውፍሪ።
9ኣቲ ፍቕርተይ፥
ኣብ ሰረገላታት ፈርዖን፥
ከም ዘሎ ፈረስ መሰልኩኺ።
10ምዕጕርትኺ ብቐለበት ወርቂ፥
ክሳድኪ ብድሪ ሉል ዘጌፀ እዩ።
11ንሕናውን ጐባጉብ ብሩር ዘለዎ፥
ሽልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።
12ንጉስ ኣብ ማእዱ እንተሎ፥
ናርዶሰይ መዓዛኡ ሃበ፤
13ፍቱወይ ንኣይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ከም ዝዓርፍ፥
ከም እተቛፀረ ኸርበ እዩ።
14ፍቱወይ ንኣይ፥
ከምቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዓይን ጋዲ ዘሎ፥
ከም ሕቝፊ ዕምበባ እዩ።
15ኣቲ ፍቕርተይ፥ ፅብቕቲ ኢኺ!
እንሆ ንስኺ ቘንጆ ኢኺ!
ኣዒንትኺ ኸም ርግቢታት እየን።
16ኣታ ፍቱወይ!
ክንደይ ትፅብቕ! ክንደይከ ትምልክዕ!
ዓራትና ድማ ልምሉም እዩ።
17ሰረገላ ቤትና ኦም ዝግባ እዩ፤
መዋቕር ገዛና ድማ ኦም ፅሕዲ እዩ።

Currently Selected:

መሃልየ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in