ሩት 2
2
ሩትን ቦኤዝን
1ቦኤዝ ዝበሃል ዘመድ ኣቤሜሌክ ሰብኣያ ንኑሓሚን፥ ሃብታምን ፍሉጥን ሰብኣይ ነበረ።
2እታ ሞኣባዊት ሩት ድማ ንኑሓሚን “ዝፈቕደለይ በዓል ግራት እንተ ረኸብኩስ ከይደ ኽቕርም” በለታ። #ዘሌ. 19፡9-10፥ ዘዳ. 24፡19።
ኑሓሚን ከዓ “ጓለይ ኪዲ” በለታ። 3ንሳ ኸይዳ ናብ ግራት ኣትያ፥ ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ ኽትቅርም ጀመረት። እቲ ግራት ከዓ ናይቲ ዘመድ ኣቤሜሌክ ዝኾነ ቦኤዝ ነበረ።
4እንሆ ድማ ቦኤዝ ካብ ቤተ ልሔም መፂኡ ነቶም ዓፃዶ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” በሎም።
ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በልዎ።
5ቦኤዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓፃዶ ሓላፊ ንዝነበረ ሓሽከሩ “እዛ መርዓት እዚኣ እንታወይቲ እያ?” በሎ።
6ንሱ ድማ “ንሳ ምስ ኑሓሚን ካብ ምድሪ ሞኣብ ዝመፀት ሞኣባዊት እያ። 7‘ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ፥ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፥ ቀሪምዶ ኽቕርምን ክኣርን በይዛኻ ፍቐደለይ?’ በለትኒ። ሕዚ እያ ቑሩብ ኣብ ፅላል ኣዕሪፋ ዘላ እምበር ንግሆ ምስ መፀት ክሳዕ ሕዚ ደው ኣይበለትን” ኢሉ መለሰ።
8ሽዑ ቦኤዝ ንሩት “ስምዒ እዛ ጓለይ! ነዘን ኣገልገልተይ እናተኸተልኪ ድኣ ቐርሚ እምበር፥ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ። 9ኣበየናይ ግራት ከም ዝዓፅዱ ርኢኺ ደድሕሪኣቶም ሰዓቢ። ነቶም ኣገልገልተይ ከይነኽኡኺ ኣዚዘዮም ኣለኹ። ማይ እንተ ፀምአኪ ድማ ናብቲ እቶም ኣገልገልተይ ቀዲሖም ዝሰትዩሉ ዕትሮታት ኬድኪ ስተዪ” በላ።
10ሽዑ ንሳ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፤ “ኣነ ጋሻ እንትኸውን ብኣይ ንኽትግደስ ከመይ ኣብ ቅድሜኻ ዕድል ረኸብኩ?” በለቶ።
11ቦኤዝ ድማ “እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክዮን፥ ኣቦኽን እኖኽን ዝተወለድክላ ምድርን ከም ዝሓደግኪ፥ ቀደም ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ኸም ዝመፃእኺ ሰሚዐ እየ። 12ነቲ ዝገበርክዮ ፅቡቕ ተግባር እግዚኣብሄር ዋጋኺ ይኽፈልኪ፤ ዓስብኺ ኸዓ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትፅግዒ ኢልኪ መፂእኽዮ ዘለኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ምሉእ ይኹን” በላ።
13ንሳ ኸዓ “ጐይታይ፥ ከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፥ ንግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ንልቢ ግዝእትኻውን ኣሕጒስካ ኢኻሞ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለት።
14ጊዜ ምሳሕ ምስ ኮነ፥ ቦኤዝ “ናብዙይ ቅረቢ እሞ እንጀራ ቘሪስኪ ኻብዝ መፂፅ ፀብሒ እዙይ እናፀባሕኺ ብልዒ” በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓፃዶ ተቐመጠት፥ ጥቡስ ሸዊት ከዓ ሃባ፤ ንሳ ድማ በልዐት፤ ፀጊባውን ኣትረፈት። 15ክትቅርም ምስ ተስአት ድማ፥ ቦኤዝ ነቶም ግዙኣቱ፥ “ኣብ ማእኸል እንዳእቲ እኳ እንተ ቐረመት ኣይተሰቅቕዋ፤ 16ካብ ዕትሪ መሲትኩም ከዓ ኽትኣርዮ ሕደጉላ እምበር ኣይትዀርዩላ” ኢሉ ኣዘዞም።
17ኣብቲ ግራት ከዓ ኽሳዕ ምሸት እናቐረመት ወዓለት። ነቲ ዝቐረመቶ ድማ ዘበጠቶ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ኾነ። 18ፆይራቶ ከዓ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ሓማታ ድማ ነቲ ዝቐረመቶ ረአየት። ሩት ከዓ ነቲ ኻብ ምሳሕ ዘትረፈቶ ኣውፂኣ ሃበታ።
19እታ ሓማታ ኸዓ፥ “ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ? ኣበይከ ሰሪሕኺ? እቲ ዝተቐበለኪ ቡሩኽ ይኹን” በለታ።
ንሳ ኸዓ “ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝሰራሕኹ ሰብኣይ ቦኤዝ እዩ” ኢላ ምስ መን ከም ዝሰርሐት ንሓማታ ነገረታ።
20ኑሓሚን ንሰበይቲ ወዳ “እቲ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘየቋረፀ እግዚኣብሄር ይባረኽ” በለት። መሊሳ ድማ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ቀረባ ዘመድና እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ዝረድኡናን ዝወርሱናን እዩ” በለታ። #ዘሌ. 25፡25።
21እታ ሞኣባዊት ሩት ከዓ “ንሱስ ‘ብዘሎ ዓፂደይ ክሳዕ ዝውዳእ ካብቶም ኣገልገልተይ ኣይትፈለዪ’ ኢሉኒ” በለታ።
22ኑሓሚን ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ “ጓለይ፥ ምስተን ኣገልገልቱ እንተ ወፈርኪ ኣብ ካልእ ግራት እንተ ዘይረኸቡኺ ፅቡቕ እዩ” በለታ።
23ሩት ከዓ፥ ዓፂድ ስገምን ዓፂድ ስርናይን ክሳዕ ዝውዳእ፥ ምስተን ኣገልገልቲ ቦኤዝ ኮይና ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።
Currently Selected:
ሩት 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: