ሮሜ 4
4
ኣብርሃም ብእምነት ከም ዝፀደቐ
1እምበኣር እቲ ብስጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም፥ እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና? 2ኣብርሃም ብስራሑ ፀዲቑ እንተ ዝኸውን፥ ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና፥ ሓንቲ እኳ የብሉን። 3#ዘፍ. 15፡6። መፅሓፍከ እንታይ ይብል? “ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑ ድማ ተቘፀረሉ” ይብል። 4#ማቴ. 20፡1-16፥ ሮሜ 11፡6። ነቲ ዝሰርሕ ሰብ፥ ደመወዙ ኸም ግቡእ ኾይኑ ይቝፀረሉ እምበር፥ ከም ውህብቶ ኣይኮነን። 5#እንባ. 2፡4፥ ፊልጵ. 3፡9። ሰብ ሰናይ ተግባር እንተ ዘይብሉ እኳ፥ በቲ ንሓጢኣተኛታት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እንተ ኣሚኑ፥ እቲ እምነቱ፥ ፅድቂ ኾይኑ ይቝፀረሉ እዩ።
6ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሄር ዘፅድቖ ሰብ፥ ብፁእ ከም ዝኾነ ኽዛረብ እንተሎ፥ ከምዙይ ይብል፦
7“እቶም በደሎም ይቕረ ዝተብሃለሎም፥
ሓጢኣቶምውን ዝተሓደገሎም፥ ብፁኣን እዮም።
8 #
መዝ. 32፡1-2። እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።”
9እዛ ብፅእና እዚኣ፥ ንግሩዛት ጥራሕ ድያ ወይ ንዘይተገርዙውን? ንኣብርሃም፥ እታ እምነቱ ፅድቂ ኾይና ተቘፀረትሉ ኢልና ኣለና። 10ከመይ ኢላ እያኸ ዝተቘፀረትሉ? ምስ ተገርዘ ድያ? ወይ እንተይተገርዘ? እንተይተገርዘ እያ እምበር፥ ምስተገርዘ ኣይኮነትን። 11#ዘፍ. 17፡4፥5፥10፥ ገላ. 3፡6-9። ነታ ገና ኸይተገርዘ እንተሎ፥ ብእምነት ዝረኸባ ፅድቂ፥ ምልክትን ማሕተምን ክትከውን፥ ግርዘት ተቐበለ። ስለዙይ፥ ነቶም ኵሎም እንተይተገርዙ ዝኣምኑ እሞ፥ እምነቶም ፅድቂ ኾይኑ ንዝቝፀረሎም ድማ፥ ኣቦ ኾኖም። 12#ማቴ. 3፡9፥ ዮሓ. 8፡39። ኣቦ ግሩዛትውን እዩ፤ እዙይ ከዓ ስለ ዝተገረዙ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነታ ኣብርሃም ከይተገረዘ እንተሎ ዝረኸባ እምነት፥ ስለ ዝሰዓቡ እዩ።
ተስፋ እግዚኣብሄር ብእምነት ከም ዝርከብ
13 #
ዘፍ. 22፡18፥ ገላ. 3፡29፥ ዕብ. 11፡8። እታ ንኣብርሃም ምስ ዘርኡ ንዓለም ከም ዝወርሳ ዝተውሃበቶ ተስፋ፥ በቲ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እያ እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ኣይኮነትን። 14#ገላ. 3፡18። እቶም ፈፀምቲ ሕጊ ዝወርሱ እንተ ዝኾኑ ግና፥ እምነት ከንቱ ምኾነት፤ ተስፋ ኸዓ ዋጋ ኣይምነበራን። #4፡14 ግእዝ “ንሕጊ ኦሪት ዝፈፀመ በይኑ ተስፋ ዝረክብ፥ ዓለምውን ዝወርስ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ንኣብርሃም እምነቱ ኣይምጠቐሞን፤ ተስፋውን ኣይምረኸበን ነይሩ” ይብል። 15#ሮሜ 5፡20፥ 1 ቆሮ. 15፡56፥ 1 ዮሓ. 3፡4። ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዘምፅእ፤ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፥ ኣብኡ ምጥሓስ ሕጊ የለን።
16እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ። 17#ዘፍ. 17፡5። እዙይ ድማ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዘሎ እዩ። ተስፋ ንኣብርሃም ዝተውሃቦ፥ ንሱ ንዝሞቱ ህይወት ብዝህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህልውና ብዝፅውዕ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነ እዩ።
18 #
ዘፍ. 15፡5። “ዘርእኻ ኸምኡ ክኸውን እዩ” ዝብል ዝተነግሮ ኣብርሃም፥ ኣብቲ ተስፋ ዘይነበሮ ተስፋ ብምግባር፥ ኣቦ ብዙሓት ከም ዝኸውን ኣመነ።
19 #
ዘፍ. 17፡17። ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ፥ ክወልድ ከም ዘይኽእልን፥ ሳራውን ማህፀና ኸም ዝሞተ እናረአየ እኳ፥ እምነቱ ኣይደኸመን። 20ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን። 21ነቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ እግዚኣብሄር ክፍፅሞ ኸም ዝኽእል፥ ኣፀቢቑ ተረዲኡ ነበረ። 22ስለዙይ ድማ “እምነቱ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።”
23 #
ግ.ሓ. 2፡39፥ 1 ጴጥ. 1፡21። ግና “እቲ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ” ዝብል፥ ንኣብርሃም ጥራሕ ኣይተፅሓፈን፤ 24ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተስኦ ንእንኣምን፥ ንኣናውን ክቝፀረልና እዩ። 25#ኢሳ. 53፡1-6፥ 1 ቆሮ. 15፡17፥ 2 ቆሮ. 5፡21። ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ዝኾነ፥ ንኣና ንኸፅድቕውን ካብ ሞት ተስአ።
Currently Selected:
ሮሜ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in