ሮሜ 3
3
ኣይሁድ ብዘይምእማኖም ከም ዝበደሉ
1ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ? 2#መዝ. 147፡19፥ ሮሜ 9፡4። ብዅሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዅሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም እዩ ብሕድሪ ዝተውሃቦም። 3#ዘሑ. 23፡19፥ ዮሓ. 3፡33፥ 2 ጢሞ. 2፡13። ካብኣቶም ዘይኣምኑ እንተ ሃልዮምከ፥ እቲ ናታቶም ዘይምእማን፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተኣማንነትዶ ኸንቱ ይገብሮ እዩ? 4#መዝ. 51፡4፥ 116፡11። ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ። 5እቲ ኽፍኣትና፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅ ካብ ኮነ፥ እንታይ ንበል? እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኽቐፅዕ እንተሎኸ፥ ዓማፂ ማለት ድዩ? ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ።
6ኣይፋሉን፤ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ እግዚኣብሄር ንዓለም ምፈረዳ? 7ሓሰተይ፥ ንሓቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅን፥ ንኽብሩውን ዝውስክ ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓጥእ ኮይነ ዝፍረድ? 8#ሮሜ 6፡1። ከምቲ ገሊኣቶም “ፅቡቕ ምእንቲ ኽንረክብስ፥ ክፉእ ንግበር” ከም ዝበልና ገይሮም ከካፍኡና ዝፀርፉና፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምኡ ዘይንብል? ነዚኣቶም ዝፍረዶም ፍርዲ ቕኑዕ እዩ።
9 #
ሮሜ 11፡32። እንታይ ደኣ ይኹን? ካብኣቶም እንሐሸሉዶ ኣለና? የብልናን፤ ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ ኵላቶም፥ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እዮም ኢልና፥ ኣቐዲምና ኸሲስናዮም ኢናሞ። 10መፅሓፍ ከምዙይ ከም ዝብል፦
“ሓደኳ ፃድቕ የለን፤
ሓደኳ የለን፤
11ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤
ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤
12 #
መዝ. 14፡1-3። ኵላቶም ዓመፁ፤
ኵላቶምውን ሓቢሮም ሰሓቱ፤
ፅቡቕ ዝገብርውን የለን፤
ሓደኳ የለን።
13 #
መዝ. 5፡9፥ 140፡3። ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤
ብልሳኖም ይሽፍጡ፤
ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም፥ ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ።
14 #
መዝ. 10፡7። ኣፎም መርገምን ምረትን ዝመልአ እዩ።
15ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፋት እየን።
16ኣብ መንገዶም ዕንወትን መከራን ኣሎ፤
17 #
ኢሳ. 59፡7-8። ንመንገዲ ሰላምውን ኣይፈልጥዋን እዮም።
18 #
መዝ. 136፡1። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።”
19 #
ሮሜ 2፡12። እንሆ እምበኣር፥ ኵሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፥ ኵሉ ዓለምውን፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ፥ ንፈልጥ ኢና። 20#ግ.ሓ. 13፡39፥ ሮሜ 7፡7፥ ገላ. 2፡16። ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ብኸመይ ከም ዘፅድቕ
21 #
ዮሓ. 5፡46፥ ሮሜ 1፡17፥ 2 ቆሮ. 5፡21፥ 1 ጴጥ. 1፡10። ሕዚ ግና፥ ከምቲ ሕግን ነቢያትን ዝመስከርዎ፥ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ዝኾነ፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ተገሊፁ ኣሎ። 22#ገላ. 3፡28፥ ፊልጵ. 3፡9። ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን። 23#1 ዮሓ. 1፡8። ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ። 24#ኤፌ. 1፡7፥ 2፡8፥ ቲቶ 3፡5-7። በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ። 25#ቈላ. 1፡20፥ 1 ዮሓ. 4፡10። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ። 26#ሮሜ 8፡3-4፥ 2 ቆሮ. 5፡21። ኣብዝ ዘመን እዙይ ዝገልፆ ዘሎ ኸዓ፥ ንሱ ፃድቕ ከም ዝኾነ፥ ነቲ ብኢየሱስ ዝኣምን ኵሉውን ከም ዝፀድቕ፥ ምእንቲ ኸርኢ እዩ።
27 #
ሮሜ 4፡5፥ ኤፌ. 2፡9። ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንሱ ተሪፉ እዩ፤ ብግብሪ ሕጊ ድዩ? ኣይኮነን፤ ብእምነት ሕጊ እዩ እምበር። 28ሰብ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ብእምነት ከም ዝፀድቕ ንፈልጥ ኢና። 29#ሮሜ 10፡11-13፥ ገላ. 3፡8-9። እግዚኣብሄር ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራሕ ድዩ? ናይ ኣህዛብውን ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ናይ ኣህዛብውን እባ። 30እቲ ንግሩዝ ብእምነት፥ ንዘይግሩዝውን ብእምነት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር፥ ሓደ እዩ። 31#ማቴ. 5፡17፥ ሮሜ 8፡4። እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር።
Currently Selected:
ሮሜ 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: