ሮሜ 11
11
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከም ዝርህርሀሎም
1 #
ፊልጵ. 3፡5፥ ኤር. 31፡37። እምበኣር እግዚኣብሄር ንህዝቡ ገዲፍዎም እዩዶ ኽብል? ኣይፋሉን፤ ኣነ እኳ ንባዕለይ እስራኤላዊ፥ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፥ ካብ ነገድ ብንያም እየ። 2እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሓረዮ ህዝቡ ኣይገደፎን። ብዛዕባ ኤልያስ እተፅሓፈ፥ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ንእስራኤላውያን እንታይ ኢሉ ኸም ዝኸሰሶምዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
3 #
1 ነገ. 19፡10። “ጐይታይ ንነቢያትካ ቐተልዎም፤
መሰውኢታትካውን ኣፍረሱ፤
ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፤
ንነፍሰይ ድማ ይደልዩዋ ኣለዉ” በለ።
4 #
1 ነገ. 19፡18። እግዚኣብሄር ግና “ነቲ በዓል ዝበሃል ጣዖት ዘይሰገዱ፥ ንባዕለይ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ኣትሪፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። 5#ሮሜ 9፡27። ከምኡ ኸዓ፥ በዝ ዘመንዙይ፥ ብፀጋ ተሓርዮም ዝተረፉ ኣለዉ።
6 #
ገላ. 5፡4፥ ኤፌ. 2፡8-9። እምበኣር ብፀጋ ኻብ ኮነ፥ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ እቲ ፀጋ፥ ፀጋ ኣይምኾነን። #11፡6 ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክ “ካብ ግብሪ ኻብ ዝኸውን ግና ደጊም ፀጋ፥ ኣይኮነን። እንተ ዘይኮነስ እቲ ግብሪውን ግብሪ ኣይምኾነን” ይብሉ። 7-8#ዘዳ. 29፡4፥ ኢሳ. 6፡10፥ 29፡10፥ ሮሜ 9፡31። እምበኣር እንታይ ደኣ እዩ? እስራኤላውያን ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ ኣይረኸብዎን፤ እቶም ሕሩያት ግና ረኸብዎ፤ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኸምቲ ፅሑፍ፦
“ኣዒንቶም ከይሪኣ፥
ኣእዛኖምውን ከይሰምዓ፥
እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥
ድንዙዝ መንፈስ ሃቦም።”
9ዳዊት ከዓ፦
“ማእዶም መፃወድያን መድፈንን፥
መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም፤
10 #
መዝ. 69፡22-23። ምእንቲ ኸይሪኡ ኣዒንቶም ይፀልምታ፤
ሕቘኦም ከዓ ንሓዋሩ ይጕበጥ” ይብል።
11 #
ግ.ሓ. 13፡46፥ 28፡28። እምበኣርከ፥ እስራኤላውያን ኣብኡ ወዲቖም ምእንቲ ኽተርፉ ድዮም ዝተዓንቀፉ? ኣይፋሎምን፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ንኣኣቶም ከቕንኦም፥ ብበደሎም፥ ንኣህዛብ ምድሓን ኮነሎም። 12#ኢሳ. 2፡2-3፥ ኤር. 4፡1-2፥ ዘካ. 8፡22-23። በደሎም ንዓለም በረኸት ካብ ኮነ፥ ውድቀቶምውን ንኣህዛብ በረኸት ካብ ኮነ፥ ምልኣቶም ደኣ፥ ክንደይ ዝበለፀ ይኾን!
ድሕነት ኣህዛብ
13-14 #
ግ.ሓ. 9፡15። ምናልባሽ ነቶም ዓሌተይ ዝኾኑ እንተ ኣቕናእኽዎም፥ ካብኣቶምውን ንገሊኣቶም እንተ ኣድሓንኩስ፥ ንኣኻትኩም ንኣህዛብ እብለኩም ኣለኹ። ኣነ ንኣህዛብ ሃዋርያ ኸም ምዃነይ፥ ብኣገልግሎተይ እሕበን እየ። 15#ሕዝ. 37፡4-14፥ ሉቃ. 15፡24። እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
16 #
ኢሳ. 6፡13። እቲ ኸም በዅራት ዝቐረበ ብሒቝ፥ ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቲ ዝተረፈ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ሱር ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸዓ፥ እቲ ጨናፍርውን ቅዱስ እዩ። 17#ኤፌ. 2፡11-13። ካብቶም ጨናፍር ገሊኣቶም እንተ ተሰብሩ እሞ፥ ንስኻ ኣውሊዕ በረኻ እንተለኻ፥ ኣብ ስፍራኦም እንተ ተተኸልካ፥ ካብቲ ሱር ኣውሊዕ ዝወፅእ ማራ፥ ተኻፋሊውን እንተ ዄንካ፥ 18#1 ቆሮ. 4፡7። ኣብቶም ጨናፍር ኣይትተዓበ። እቲ ሱር እዩ ንኣኻ ፆይሩካ ዘሎ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን፥ ነቲ ሱር ፆይርካዮ ዘለኻ፥
19ምናልባሽ ንስኻ “ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም፥ እቶም ጨናፍር ዝተሰብሩ” ትብል ትኸውን። 20#ምሳ. 28፡14፥ 1 ቆሮ. 10፡12። ፅቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራሕ ደኣ እምበር፥ ብልብኻ ኣይትተዓበ። 21እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ፥ ካብ ዘየናሕሰየሎም፥ ንኣኻውን ኣየናሕስየልካን እዩ። 22#1 ቆሮ. 15፡2፥ ዕብ. 3፡6፥ ይሁዳ 21። እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን፥ ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን፥ ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ፀኒዕኻ እንተ ነበርካ፥ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻውን ክትቍረፅ ኢኻ። 23#ሮሜ 14፡4። ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይፀንዑ ግና፥ ክትከሉ እዮም። እግዚኣብሄር መሊሱ ኽተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ። 24ንስኻ ኻብቲ ብፍጥረቱ ኣውሊዕ በረኻ ዝተቘረፅካ፥ ኣብዘይ ፍጥረትካ፥ ኣብ ሰናይ ኣውሊዕ ኻብ ተተኸልካስ፥ እቶም ብፍጥረቶም ጨናፍር ኣውሊዕ ዝነበሩ ግዳ፥ ክንደይ ኣብቲ ናይ ባዕልቶም ኣውሊዕ ዘይትከሉ!
ምሕረት እግዚኣብሄር ንዅሉ እዩ
25 #
ኤፌ. 3፡4። ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ። 26-27#ኢሳ. 59፡20-21፥ ኤር. 31፡33። ከምቲ መፅሓፍ
“መድሓኒ ኻብ ፅዮን ክመፅእ እዩ፤
ካብ ዘርኢ ያእቆብ ሓጢኣት ከርሕቕ እዩ፤
ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸዓ፥
እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ” ዝብሎ፥
እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድሕኑ እዮም።
28 #
ዘሌ. 26፡42፥ ዘሑ. 23፡19፥ ሚል. 3፡6። ብወገን ወንጌል፥ ምእንታኻትኩም ፀላእቲ እዮም፤ ብወገን ምሕራይ ግና፥ ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም፤ 29እግዚኣብሄር፥ ብውህብቶኡን ፃውዒቱን፥ ኣይናሳሕን እዩ እሞ። 30#ሮሜ 3፡9፥22፥ ኤፌ. 2፡2፥ 1 ጴጥ. 2፡10። ንስኻትኩም ቀደም ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝኩምዎን፤ ሕዚ ግና፥ ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተምሓርኩም። 31ከምኡውን ንሳቶም፥ በቲ ንስኻትኩም ዝተምሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኽምሓሩ፥ ሕዚ ኣይተኣዘዙን። 32እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ።
ምስጋና ንኣምላኽ
33 #
ኢዮብ 11፡7፥ መዝ. 147፡5፥ ቈላ. 2፡3። ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን። 34#ኢሳ. 40፡13። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ? 35#ኢዮብ 41፡11። ንእግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ዝሃቦ እሞ፥ ዝፍደዮ መን እዩ? 36#1 ቆሮ. 8፡6፥ ገላ. 1፡5። ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!
Currently Selected:
ሮሜ 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: