ሮሜ 10
10
እስራኤላውያን ፅድቂ እግዚኣብሄር ዘይምርካቦም
1ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ድልየት ልበይን፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ዘቕርቦ ፀሎትን፥ እስራኤል ምእንቲ ኽድሕኑ እዩ። 2#ግ.ሓ. 22፡3። ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቐንኡስ፥ ኣነ እምስክረሎም እየ። 3ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ፅድቂ ሰኣን ምፍላጦም፥ ፅድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም፥ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣየግዝኡን። 4#ማቴ. 5፡17፥ ሮሜ 9፡30-31፥ ፊልጵ. 3፡9። ዝኣምን ኵሉ ምእንቲ ኽፀድቕ፥ ክርስቶስ ናይ ሕጊ ፍፃሜ እዩ።
ድሕነት ንዅሉ እዩ
5 #
ዘሌ. 18፡5። ሙሴ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብምፍፃም ዝመፅእ ፅድቂ፥ “እቲ ንሕጊ ዝፍፅሞ ሰብ፥ ብእኡ ብህይወት ይነብር” ኢሉ ፅሒፉ እዩ እሞ። 6#ዮሓ. 3፡13፥ ዘዳ. 30፡12። እቲ ኻብ እምነት ዝመፅእ ፅድቂ ግና ኸምዙይ ይብል፦ “ብልብኻ፥ [ንክርስቶስ ከውርዶ] #10፡6 ንክርስቶስ ከውርዶ፦ ግእዝ “ካብ ሰማይ ዝወረደ ክርስቶስ እዩ” ይብል። ‘ናብ ሰማይ ዝድይብ መን እዩ?’ ኣይትበል። 7#ሮሜ 4፡25። ወይ [ንክርስቶስ ካብ ሞት ከተስኦ] #10፡7 ንክርስቶስ ካብ ሞት ከተስኦ፦ ግእዝ “ናብ ቃላይ ዝወርድ መን እዩ? ክርስቶስ እዩ ኻብ ሞት ዝተስአ” ይብል። ‘ናብ ሲኦል ዝወርድ መን እዩ?’ ኣይትበል።” 8#ዘዳ. 30፡14። እንታይ ደኣ ይብል? “እቲ ቓል” ንሱውን እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት፥ “ኣብ ጥቓኻ፥ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ” ይብል። 9ስለዙይ ብኣፍካ፥ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን፥ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከም ዘተስኦ እንተ ኣሚንካ፥ ትድሕን። 10ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይፀድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን እዩ እሞ። 11#ኢሳ. 28፡16፥ ማቴ. 10፡32፥ ዮሓ. 1፡12፥ ግ.ሓ. 16፡31፥ ሮሜ 4፡3፥ 1 ዮሓ. 4፡15። እቲ ፅሑፍውን “ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ኣይሓፍርን እዩ” ይብል። 12#መዝ. 145፡18፥ ኢዩ. 2፡32፥ ግ.ሓ. 15፡9። ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ኣፈላላይ የለን፤ ንሱ ናይ ኵሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝፅውዕዎ ዅሎም ድማ፥ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ። 13“ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ እሞ።”
ኣድላይነት ሰበኽቲ ቓል እግዚኣብሄር
14ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ፥ ከመይ ኢሎም ክፅውዕዎ እዮም? ብዛዕባኡ እንተይሰምዑኸ፥ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኽኣምኑ እዮም? ብዘይ ሰባኺኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ እዮም? 15#ኢሳ. 52፡7። ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?
16 #
ዕብ. 4፡2፥ ኢሳ. 53፡1። ግና ኸምቲ ኢሳይያስ “ጐይታይ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ?” ዝበሎ፥ ኵላቶም ንቓል ወንጌል ኣይተኣዘዙን። 17#ዮሓ. 17፡20። እምበኣር፥ ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ፤ እቲ ምስማዕውን፥ ብቓል እግዚኣብሄር እዩ።
18 #
መዝ. 19፡4፥ ቈላ. 1፡23። እምበኣርከስ፥ ኣይሰምዑንዶ እብል ኣለኹ?
እወ “ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ ወፀ፤
ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በፅሐ”
ኸም ዝበሎ፥ ብርግፅ ሰሚዖም ኣለዉ። 19#ዘዳ. 32፡21። እሞ እስራኤላውያንከ፥ ኣይፈለጡን ድየ ዝብል? ሙሴስ ኣቐዲሙ፦
“ህዝቢ ብዘይኮነ፥ ከቕንኦም እየ፤
ምስትውዓል ብዘይብሉ ህዝቢ እውን፥ ከቈጥዖም እየ” ይብል።
20 #
ኢሳ. 65፡1-2። ኢሳይያስውን ደፊሩ፥
“ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፤
ንዘይጠየቑኒውን ተገለፅኩሎም” ይብል።
21ብዛዕባ እስራኤል ግና “ነቲ ዘይእዘዝን ተቓዋምን ህዝቢ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጋሕኹ” ይብል።
Currently Selected:
ሮሜ 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in