YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 8

8
ንሊቀ መዘምራን ብሻምብቆ ናይ ዳዊት መዝሙር
1ኦ ጐይታና!
ስምካ ኣብ ኵሉ ምድሪ የመና ተመስገነ፤
ምስጋናኻ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ።
2 # ማቴ. 21፡16። ብኣፍ ቈልዑን ህፃናትን፥ ምስጋና ኣዳለኻ፤ ምእንቲ ፀላእትኻ፤
ንፀላእን ንተበቃልን ምእንቲ ኽተጥፍእ እዩ።
3ስራሕ ኣፃብዕትኻ ንዝኾኑ ሰማያትን፥
ነቶም ዝፈጠርካዮም ወርሕን ከዋኽብትን ምስ ረአኹ፥
4 # ኢዮብ 7፡17-18፥ መዝ. 144፡3፥ ዕብ. 2፡6-8። ንስኻ ኽትሓስቦስ፥ ሰብ እንታይ እዩ?
ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?
5ካብ መላእኽቲ ቑሩብ ኣንኣስካዮ፤
ብኽብርን ብምስጋናን ኣኽሊል ከዓ ኸለልካዮ፤
6 # 1 ቆሮ. 15፡27፥ ኤፌ. 1፡22፥ ዕብ. 2፡8። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውካ ሸምካዮ፤
ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዛእኻሉ።
7ንዅላተን ኣባጊዕን ከፍትን፥
ከምኡውን ንእንስሳታት በረኻን፥
8ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ መንገዲ ባሕሪ ዝኸይድን ኣግዛእኻሉ።
9ኦ እግዚኣብሄር ጐይታና፥
ስምካ ኣብ ኵላ ምድሪ የመና ተመስገነ።

Currently Selected:

ዳዊት 8: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in