ዳዊት 7
7
ብዛዕባ ቓል እቲ ብንያማዊ ኩዝ ንእግዚአብሔር ዝዘመሮ ናይ ዳዊት መዝሙር
1ኦ ኣምላኸይ፥ ብኣኻ ተኣመንኩ፤
ካብ ኵሎም ዝኸቡኒ ኣድሕነኒ፤ ኣናግፈኒውን።
2ዘድሕንን ዘናግፍን ኣብ ዘይብሉ፥
ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ከይምንዝዕዋን ከይሰላልዕዋን።
3ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ከምዙይ ገይረ እንተ ደኣ ኾይነ፥
4ኣብ ኢደይውን ዓመፅ እንተ ተረኺቡ፥
ክፉእ ንዝገበሩኒ፥ ክፉእ መሊሰሎም እንተ ኾይነ፥
ንፀላእየይውን ብኸንቱ ገፊዐ እንተ ኾይነ፥
5ፀላኢ ንነፍሰይ የሳጕጓ፤ ይርከባውን፤
ንህይወተይውን ኣብ ምድሪ ይርገፃ፤
ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዳ።
6ኦ ጐይታ፥ ብመዓትካ ተስእ፤
ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ብቝጥዓ ተልዓል፤
ኦ ኣምላኸይ ብዝኣዘዝካዮ ስርዓት ንቓሕ።
7ጉባኤ ኣህዛብውን ክኸበካ እዩ፤
ኣብ ልዕሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ተመለስ።
8እግዚኣብሄር ብኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤
ኦ ጐይታ፥ ከም ፅድቀይ ፍረደለይ፤
ከም ለዋህነተይውን ይኹነለይ።
9 #
ራእይ 2፡23። ክፍኣት ሓጥኣን ይጥፋእ፤
ንፃድቃን ግና ኣቕንዓዮም፤
እግዚኣብሄር ልብን ኵላሊትን ይምርምር።
10እግዚኣብሄር ናይ ፅድቂ ዋልታይ እዩ፤
ንሱ ንቕኑዓት ልቢ የድሕኖም እዩ።
11ኣምላኽ ናይ ሓቂ ፈራዲ እዩ፤
ሓያልን ተዓጋሲን እዩ፤ ኵልሻዕውን ኣይቝጣዕን።
12እንተ ዘይተመሊስኩም ግና፥
ሰይፉ ይስሕል፤ ቀስቱውን ገተረ፤ ኣዳለወውን።
13ናይ ሞት ኣፅዋርውን ኣዳለወሉ፤
ፍላፃታቱውን ከም ዝቃፀሉ ገበረ።
14እንሆ ዓማፂ ብዓመፃኡ ተጨነቐ፤
ጕድኣት ጠነሰ፥ ሓጢኣትውን ወለደ።
15ጕድጓድ ኰዓተ፤ ኣዕመቖውን፥
ናብቲ ዝዀዓቶ ጕድጓድ ድማ ይወድቕ።
16ጕድኣቱ ናብ ባዕሉ ይምለስ፤
ዓመፃኡውን ኣብ ናላኡ ትወርድ።
17ንእግዚኣብሄር ከም መጠን ፅድቁ ኸመስግኖ እየ፤
ንስም ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ኽዝምር እየ።
Currently Selected:
ዳዊት 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ዳዊት 7
7
ብዛዕባ ቓል እቲ ብንያማዊ ኩዝ ንእግዚአብሔር ዝዘመሮ ናይ ዳዊት መዝሙር
1ኦ ኣምላኸይ፥ ብኣኻ ተኣመንኩ፤
ካብ ኵሎም ዝኸቡኒ ኣድሕነኒ፤ ኣናግፈኒውን።
2ዘድሕንን ዘናግፍን ኣብ ዘይብሉ፥
ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ከይምንዝዕዋን ከይሰላልዕዋን።
3ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ከምዙይ ገይረ እንተ ደኣ ኾይነ፥
4ኣብ ኢደይውን ዓመፅ እንተ ተረኺቡ፥
ክፉእ ንዝገበሩኒ፥ ክፉእ መሊሰሎም እንተ ኾይነ፥
ንፀላእየይውን ብኸንቱ ገፊዐ እንተ ኾይነ፥
5ፀላኢ ንነፍሰይ የሳጕጓ፤ ይርከባውን፤
ንህይወተይውን ኣብ ምድሪ ይርገፃ፤
ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዳ።
6ኦ ጐይታ፥ ብመዓትካ ተስእ፤
ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ብቝጥዓ ተልዓል፤
ኦ ኣምላኸይ ብዝኣዘዝካዮ ስርዓት ንቓሕ።
7ጉባኤ ኣህዛብውን ክኸበካ እዩ፤
ኣብ ልዕሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ተመለስ።
8እግዚኣብሄር ብኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤
ኦ ጐይታ፥ ከም ፅድቀይ ፍረደለይ፤
ከም ለዋህነተይውን ይኹነለይ።
9 #
ራእይ 2፡23። ክፍኣት ሓጥኣን ይጥፋእ፤
ንፃድቃን ግና ኣቕንዓዮም፤
እግዚኣብሄር ልብን ኵላሊትን ይምርምር።
10እግዚኣብሄር ናይ ፅድቂ ዋልታይ እዩ፤
ንሱ ንቕኑዓት ልቢ የድሕኖም እዩ።
11ኣምላኽ ናይ ሓቂ ፈራዲ እዩ፤
ሓያልን ተዓጋሲን እዩ፤ ኵልሻዕውን ኣይቝጣዕን።
12እንተ ዘይተመሊስኩም ግና፥
ሰይፉ ይስሕል፤ ቀስቱውን ገተረ፤ ኣዳለወውን።
13ናይ ሞት ኣፅዋርውን ኣዳለወሉ፤
ፍላፃታቱውን ከም ዝቃፀሉ ገበረ።
14እንሆ ዓማፂ ብዓመፃኡ ተጨነቐ፤
ጕድኣት ጠነሰ፥ ሓጢኣትውን ወለደ።
15ጕድጓድ ኰዓተ፤ ኣዕመቖውን፥
ናብቲ ዝዀዓቶ ጕድጓድ ድማ ይወድቕ።
16ጕድኣቱ ናብ ባዕሉ ይምለስ፤
ዓመፃኡውን ኣብ ናላኡ ትወርድ።
17ንእግዚኣብሄር ከም መጠን ፅድቁ ኸመስግኖ እየ፤
ንስም ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ኽዝምር እየ።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in