YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 6

6
ንሊቀ መዘምራን ብበገናታት ብሻሙናይ ናይ ዳዊት መዝሙር
1 # መዝ. 38፡1። ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤
ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።
2ኦ ጐይታ፥ ድዉይ እየሞ፥ መሓረኒ፤
ኣዕፅምተይ ተሃዊኸን እየንሞ፥ ፈውሰኒ።
3ነፍሰይውን የመና ተሃዊኻ እያ፤
ኦ ጐይታ፥ ንስኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?
4ኦ ጐይታ፥ ተመለስሞ ንነፍሰይ ኣድሕና፤
ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።
5ብሞት ዝዝክረካ የለን፤
ኣብ ሲኦልከ መን የመስግነካ?
6ኣነ ብጭንቐተይ ደኺመ ኣለኹ፤
ኵሉ ለይቲ ዓራተይ ሓፀብኩ፤
ንመንፀፈይ ከዓ ብንብዓተይ ኣርሓስኩ።
7ዓይነይ ካብ ቍጡዕ ንብዓት ዝተልዓለ ተሃወኸት፤
ካብ ኵሎም ፀላእተይ ዝተልዓለ ኣረግኩ።
8እግዚኣብሄር ንድምፂ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፤
ኣቱም ገበርቲ ዓመፅ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ። #ማቴ. 7፡23፥ ሉቃ. 13፡27።
9እግዚኣብሄር ልመናይ ሰምዐ፤
እግዚኣብሄር ንፀሎተይ ከዓ ተቐበለ።
10ኵሎም ፀላእተይ ይሕፈሩን ይዋረዱን፤
ንድሕሪት ይመለሱ፤ ቀልጢፎምውን ይሕፈሩ።

Currently Selected:

ዳዊት 6: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in