ዳዊት 5
5
ንሊቀ መዘምራን ብሻምብቆ ናይ ዳዊት መዝሙር
1ኦ ጐይታ፥ ንቓለይ ኣድምፅ፤
ንጥርዓነይውን ኣስተብህል።
2ኦ ንጉሰይን ኣምላኸይን፥ ናባኻ እፅሊ ኣለኹ እሞ፥
ንቓል ኣውያተይ ኣድምፅ።
3ኦ ጐይታ፥ ብጊሓት ድምፀይ ክትሰምዕ ኢኻ፤
ኣንጊሀ ኣብ ቅድሜኻ ኽቐውም እየ፤ ክፅበውን እየ።
4ንስኻ ኽፍኣት ዘይትፈቱ ኣምላኽ ኢኻ፤
ክፉእ ድማ ምሳኻ ኣይሓድርን እዩ።
5ብኸንቱ ዝምክሑ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይነብሩን፤
ንዅሎም ገበርቲ ዓመፅ ፀላእኻ።
6ኦ ጐይታ፥ ሓሰት ንዝዛረቡ ተጥፍኦም፤
እግዚኣብሄር ንደም ዘፍስስን ንመታለሊን ይፅየፍ።
7ኣነ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ናብ ቤትካ ኽኣቱ እየ፤
ንኣኻ ብምፍራሕ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ እሰግድ ኣለኹ።
8ኦ ጐይታ፥ ምእንቲ ፀላእተይ ብፅድቅኻ ምርሐኒ፤
መንገደይውን ኣብ ቅድሜኻ ኣቕንዐለይ።
9 #
ሮሜ 3፡13። ኣብ ኣንደበቶም ሓቂ የለን፤
ልቦምውን ከንቱ እዩ፤
ጐሮሮኦም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤
ብመልሓሶምውን ይጥብሩ።
10ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኾንኖም፤
ንሳቶም ኣብቲ ዝኣለምዎ ምኽሪ ይውደቑ፤
ከም ብዝሒ በደሎም ኣሳጕጎም፤ ኣብ ልዕሌኻ ዓሚፆም እዮም እሞ።
11ኵሎም ብኣኻ ዝእመኑ ግና ክሕጐሱ እዮም፤
ንዘለኣለም ደስ ክብሎም እዩ፤ ንኣኣቶምውን ክትሕሉ ኢኻ፤
ኵሎም ንስምካ ዘፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ክምክሑ እዮም።
12ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንፃድቕ ትባርኾ፤
ኦ ጐይታ፥ ከም ዋልታ ብሞገስ ከለልካና።
Currently Selected:
ዳዊት 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in