ዳዊት 37
37
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ፤
በቶም ዓመፅትውን ኣይትቕናእ።
2ንሳቶም ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ክነቕፁ፥
ከም ልምሉም ቘፅሊውን ክረግፉ እዮም እሞ።
3ብእግዚኣብሄር ተኣመን፤ ሰናይ ድማ ግበር፤
ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር።
4ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልካ፤
ልብኻ ዝደልዮውን ንሱ ኽህበካ እዩ።
5መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃብ፤
ብእኡውን ተኣመን፤ ንሱ ድማ ኽገብረልካ እዩ።
6ንፅድቅኻ ኸም ብርሃን፥
ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኸምፅአልካ እዩ።
7ንእግዚኣብሄር ተገዛእ፤ ንእኡውን ተስፋ ግበር፤
መንገዱ ብዝቐንዐሉ፥ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቕናእ።
8ካብ ቍጥዓ ረሓቕ፤ መዓትውን ሕደግ፤
ከይትብድል ኣይትቕናእ።
9ገበርቲ እከይ ክጠፍኡ እዮም እሞ፥
ንእግዚኣብሄር ተስፋ ዝገብሩ ግና፥
ንሳቶም ንምድሪ ኽወርሱ እዮም።
10ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽፉእ ሰብ ኣይህሉን፤
ትደልዮ፤ ቦታኡውን ኣይትረኽቦን።
11 #
ማቴ. 5፡5። ለዋሃት ግና ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤
ብብዙሕ ሰላም ድማ ደስ ይብሎም።
12ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ይፍሕሰሉ፤
ኣስናኑውን ኣብ ልዕሊኡ ይሕርቅም።
13እግዚኣብሄር ግና፥ ይስሕቖ፤
መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ።
14ሓጢኣተኛታት ንድኻታትን ንፅጉማትን ከውድቑ፥
ነቶም ቅኑዓት ልቢውን ክወግኡ፥
ሰይፎም መዘዙ፤ ቀስቶምውን ገተሩ።
15ሰይፎም ናብ ልቦም ይእቶ፤
ቀስቶምውን ይሰበር።
16ካብ ብዙሕ ሃብቲ ሓጢኣተኛታት፥
ውሑድ ሃብቲ ፃድቃን ይበልፅ።
17ሓይሊ ኽፉኣት ክትስበር እያ፤
ንፃድቃን ግና እግዚኣብሄር ክድግፎም እዩ።
18እግዚኣብሄር ንመንገዲ ንፁሃን ይፈልጥ፤
ርስቶምውን ንዘለኣለም እዩ።
19ብኽፉእ ዘመን ኣየሓፍሩን እዮም፤
ብዘመን ጥሜትውን ክፀግቡ እዮም።
20ሓጢኣተኛታት ግና ኽጠፍኡ እዮም፤
ፀላእቲ እግዚኣብሄር ብዝኸበሩን ልዕል ልዕል ብዝበሉን ከም ትኪ ይጠፍኡ።
21ሓጢኣተኛ ሰብ ተለቂሑ ኣይመልስን እዩ፤
ፃድቕ ሰብ ግና ይርህርህ፤ ይህብውን።
22እቶም ንእግዚኣብሄር ዝባርኹ፥ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤
እቶም ዝረግምዎ ግና ኽጠፍኡ እዮም።
23ኣካይዳ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይፀንዕ፤
ንመንገዱውን ይፈቱ።
24እንተ ተዓንቀፈውን ኣይድንግፅን፤
እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ።
25ጐበዝኩ፤ ኣረግኩውን፤
ፃድቅ እንትድርበ፥
ዘርኡውን እንጀራ እንትልምን ኣይረአኹን።
26ኵልሻዕውን ይርህርህን የለቅሕን፤
ዘርኡ ድማ ብበረኸት ይነብር።
27ካብ ክፉእ ህደም፤ ሰናይ ከዓ ግበር፤
ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ።
28እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ እዩሞ፥
ነቶም ቅዱሳኑውን ኣይሓድጎምን እዩሞ፥
ንዘለኣለምውን ይሕልዎም፤
ንንፁሃን ከዓ ይብቀለሎም፤
ዘርኢ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
29ፃድቃን ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤
ኣብኣውን ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም።
30ኣፍ ፃድቅ፥ ጥበብ የምህር፤
ኣንደበቱውን ፍትሒ ይናገር።
31ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ውሽጢ ልቡ እዩ፤
በካይዳኡውን ኣይሰናኸልን።
32ሓጥእ ንፃድቕ ይፀናተዎ፤
ክቐትሎውን ይደሊ።
33እግዚኣብሄር ግና ኣብ ኢዱ ኣየሓድጎን እዩ፤
ምስተፋረዶውን ኣየሸንፎን።
34ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ መንገዱውን ሓሉ፤
ንምድሪ ምእንቲ ኽትወርስ ልዕል ልዕል ከብለካ እዩ፤
ሓጢኣተኛታትውን ክጠፍኡ እንተለዉ ኽትርኢ ኢኻ።
35ሓጥእ ልዕል ልዕል ኢሉ፥
ከም ዝግባ ሊባኖስውን ለምሊሙ ረአኽዎ፤
36ምልስ እንተ በልኩ ግና፥ ሰኣንክዎ፤
ደለኹዎ፤ ቦታኡውን ኣይረኸብኩን።
37ንቕንዕና ሓሉ፤ ንፅድቂውን ረአ፤
ነቲ ናይ ሰላም ሰብ፥ ተረፍ ኣለዎሞ።
38በደለኛታት ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤
ናይ ሓጢኣተኛታት ተረፍውን ክጠፍኡ እዮም።
39ድሕነት ፃድቃን ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤
ኣብ እዋን ፀገሞምውን መፀግዒኦም ንሱ እዩ።
40እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን እዩ፤
ካብ ኢድ ሓጢኣተኛታትውን የውፅኦም፤
ብእኡ ተኣሚኖም እዮም እሞ፥ ከድሕኖም እዩ።
Currently Selected:
ዳዊት 37: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ዳዊት 37
37
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ፤
በቶም ዓመፅትውን ኣይትቕናእ።
2ንሳቶም ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ክነቕፁ፥
ከም ልምሉም ቘፅሊውን ክረግፉ እዮም እሞ።
3ብእግዚኣብሄር ተኣመን፤ ሰናይ ድማ ግበር፤
ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር።
4ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልካ፤
ልብኻ ዝደልዮውን ንሱ ኽህበካ እዩ።
5መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃብ፤
ብእኡውን ተኣመን፤ ንሱ ድማ ኽገብረልካ እዩ።
6ንፅድቅኻ ኸም ብርሃን፥
ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኸምፅአልካ እዩ።
7ንእግዚኣብሄር ተገዛእ፤ ንእኡውን ተስፋ ግበር፤
መንገዱ ብዝቐንዐሉ፥ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቕናእ።
8ካብ ቍጥዓ ረሓቕ፤ መዓትውን ሕደግ፤
ከይትብድል ኣይትቕናእ።
9ገበርቲ እከይ ክጠፍኡ እዮም እሞ፥
ንእግዚኣብሄር ተስፋ ዝገብሩ ግና፥
ንሳቶም ንምድሪ ኽወርሱ እዮም።
10ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽፉእ ሰብ ኣይህሉን፤
ትደልዮ፤ ቦታኡውን ኣይትረኽቦን።
11 #
ማቴ. 5፡5። ለዋሃት ግና ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤
ብብዙሕ ሰላም ድማ ደስ ይብሎም።
12ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ይፍሕሰሉ፤
ኣስናኑውን ኣብ ልዕሊኡ ይሕርቅም።
13እግዚኣብሄር ግና፥ ይስሕቖ፤
መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ።
14ሓጢኣተኛታት ንድኻታትን ንፅጉማትን ከውድቑ፥
ነቶም ቅኑዓት ልቢውን ክወግኡ፥
ሰይፎም መዘዙ፤ ቀስቶምውን ገተሩ።
15ሰይፎም ናብ ልቦም ይእቶ፤
ቀስቶምውን ይሰበር።
16ካብ ብዙሕ ሃብቲ ሓጢኣተኛታት፥
ውሑድ ሃብቲ ፃድቃን ይበልፅ።
17ሓይሊ ኽፉኣት ክትስበር እያ፤
ንፃድቃን ግና እግዚኣብሄር ክድግፎም እዩ።
18እግዚኣብሄር ንመንገዲ ንፁሃን ይፈልጥ፤
ርስቶምውን ንዘለኣለም እዩ።
19ብኽፉእ ዘመን ኣየሓፍሩን እዮም፤
ብዘመን ጥሜትውን ክፀግቡ እዮም።
20ሓጢኣተኛታት ግና ኽጠፍኡ እዮም፤
ፀላእቲ እግዚኣብሄር ብዝኸበሩን ልዕል ልዕል ብዝበሉን ከም ትኪ ይጠፍኡ።
21ሓጢኣተኛ ሰብ ተለቂሑ ኣይመልስን እዩ፤
ፃድቕ ሰብ ግና ይርህርህ፤ ይህብውን።
22እቶም ንእግዚኣብሄር ዝባርኹ፥ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤
እቶም ዝረግምዎ ግና ኽጠፍኡ እዮም።
23ኣካይዳ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይፀንዕ፤
ንመንገዱውን ይፈቱ።
24እንተ ተዓንቀፈውን ኣይድንግፅን፤
እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ።
25ጐበዝኩ፤ ኣረግኩውን፤
ፃድቅ እንትድርበ፥
ዘርኡውን እንጀራ እንትልምን ኣይረአኹን።
26ኵልሻዕውን ይርህርህን የለቅሕን፤
ዘርኡ ድማ ብበረኸት ይነብር።
27ካብ ክፉእ ህደም፤ ሰናይ ከዓ ግበር፤
ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ።
28እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ እዩሞ፥
ነቶም ቅዱሳኑውን ኣይሓድጎምን እዩሞ፥
ንዘለኣለምውን ይሕልዎም፤
ንንፁሃን ከዓ ይብቀለሎም፤
ዘርኢ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
29ፃድቃን ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤
ኣብኣውን ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም።
30ኣፍ ፃድቅ፥ ጥበብ የምህር፤
ኣንደበቱውን ፍትሒ ይናገር።
31ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ውሽጢ ልቡ እዩ፤
በካይዳኡውን ኣይሰናኸልን።
32ሓጥእ ንፃድቕ ይፀናተዎ፤
ክቐትሎውን ይደሊ።
33እግዚኣብሄር ግና ኣብ ኢዱ ኣየሓድጎን እዩ፤
ምስተፋረዶውን ኣየሸንፎን።
34ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ መንገዱውን ሓሉ፤
ንምድሪ ምእንቲ ኽትወርስ ልዕል ልዕል ከብለካ እዩ፤
ሓጢኣተኛታትውን ክጠፍኡ እንተለዉ ኽትርኢ ኢኻ።
35ሓጥእ ልዕል ልዕል ኢሉ፥
ከም ዝግባ ሊባኖስውን ለምሊሙ ረአኽዎ፤
36ምልስ እንተ በልኩ ግና፥ ሰኣንክዎ፤
ደለኹዎ፤ ቦታኡውን ኣይረኸብኩን።
37ንቕንዕና ሓሉ፤ ንፅድቂውን ረአ፤
ነቲ ናይ ሰላም ሰብ፥ ተረፍ ኣለዎሞ።
38በደለኛታት ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤
ናይ ሓጢኣተኛታት ተረፍውን ክጠፍኡ እዮም።
39ድሕነት ፃድቃን ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤
ኣብ እዋን ፀገሞምውን መፀግዒኦም ንሱ እዩ።
40እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን እዩ፤
ካብ ኢድ ሓጢኣተኛታትውን የውፅኦም፤
ብእኡ ተኣሚኖም እዮም እሞ፥ ከድሕኖም እዩ።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in