YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 36

36
ንሊቀ መዘምራን፥ ባርያ እግዚኣብሄር ናይ ዳዊት መዝሙር።
1 # ሮሜ 3፡18። ሓጢኣተኛ ንባዕሉ፥ ዘስሕት ነገር ይናገር፤
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።
2ብመልሓሱ ጠቢሩ እዩ እሞ፥
ሓጢኣቱ ምስ ረኸበቶ ይፀልኣ።
3ቃል ኣፉ ግፍዕን ጥበራን እዩ፤
ምስትውዓልን ሰናይ ምግባርንውን ሓደገ።
4ኣብ ምድቃሱ ጠዋይ ነገር ሓሰበ፤
ቅንዕቲ ብዘይኮነት መንገዲ ቖመ፤
ንኽፍኣትውን ኣይንዕቓን።
ምሕረት እግዚኣብሄር
5ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ኣብ ሰማይ እዩ፤
ሓቅኻውን ክሳዕ ደመናት ይበፅሕ።
6ፅድቅኻ ኸም እምባታት እግዚኣብሄር እዩ፤
ፍርድኻውን እምብዛ ዓሚቝ እዩ፤
ኦ ጐይታ፥ ንሰብን ንእንስሳን እተድሕኖም ንስኻ ኢኻ።
7ኦ ጐይታ፥ ንምሕረትካ ኽንደይ ኣብዛሕኻ!
ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍካ ይእመኑ።
8ካብ ቤትካ ጠሊ ይሰትዩ፤
ካብ ወሓዚ በረኸትካ ተርውዮም።
9ናይ ህይወት ፍልፍል ካባኻ እዩሞ፥
ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ።
10ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈልጡኻ፥
ንፅድቅኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ቕኑዓት ልቢ ዘርግሕ።
11እግሪ ዕቡይ ኣይምፅአኒ፤
ኢድ ሓጢኣተኛውን ኣይትሓውኸኒ።
12ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ኣብኡ ወደቑ፤
ወዲቖም እዮም፤ ክቖሙውን ኣይኽእሉን።

Currently Selected:

ዳዊት 36: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in