ዳዊት 35
35
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኦ ጐይታ፥ ነቶም ዝገፍዑኒ ግፍዓዮም፤
ነቶም ዝዋግኡኒውን ተዋግኣዮም።
2ዋልታን ኲናትን ሓዝ፤
ንኣይ ንምርዳእውን ተልዓል።
3ሰይፍኻ ምዘዝ፤ ነቶም ዘሳጕጉኒ መንገዶም ዕፆ፤
ንነፍሰይውን “መድሓኒኺ ኣነ እየ” በላ።
4ንነፍሰይ ዝደልዩ ዅሎም ይሕፈሩን ይዋረዱን፤
እቶም ኣብ ልዕለይ ክፍኣት ዝሓስቡ ይሕፈሩ፤
ንድሕሪኣቶምውን ይመለሱ።
5ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ በነንታ ይኹኑ፤
መልኣኽ እግዚኣብሄር የጨንቆም።
6መንገዶም ፀልማትን መንደልሃፅን ይኹን፤
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ የሳጕጎም።
7ብኸንቱ ኸጥፍኡኒ መፈንጠሮም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ እዮም እሞ፥
ንነፍሰይውን ብኸንቱ ኣበሳጭዮምዋ እዮም እሞ።
8ዘይፈልጥዎ መፈንጠር ይምፅኣዮም፤
እቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ይሓዞም፤
ናብቲ ውሽጢ መፈንጠርውን ይውደቑ።
9ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ደስ ይብላ፤
ብምድሓኑውን ትሕጐስ።
10ኵሎም ኣዕፅምተይ ከምዙይ ይብሉኻ፦
“ኦ ጐይታ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ?
ንስኻ ነቲ ድኻ ኻብ ኢድ ዝኸትሮ፤
ንምስኪንን ንድኻን ድማ ኻብ ኢድ ነጣቒ ተናግፎም።”
11መሰኻኽር ዓመፃ ተልዓሉኒ፤
ዘይፈልጦ ነገርውን ኣብ ልዕለይ ተናገሩ።
12ክንዲ ሰናይ ክፉእ ፈደዩኒ፤
ንነፍሰይውን ውሉድ ኣስኣንዋ።
13ኣነ ግና ንሳቶም ምስ ሓመሙ፥ ወጮ ተኸደንኩ፤
ንነፍሰይውን ብፆም ኣድከምኩዋ፤
ፀሎተይ ናብ ሕቝፈይ ተመለሰ።
14ንፈታውየይን ንሓወይን ከም ዝገብሮ ገበርኩ፤
ንኖኡ ኸም ዝበኪውን ርእሰይ ትሕት ትሕት ኣበልኩ።
15ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ደስ ድማ በሎም፤
ግፍዐኛታት ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ኣነ ግና ኣይፈለጥኩን፤
ሰላልዑኒ፤ ኣይሓደጉንንውን።
16ፈተኑኒ ብስሓቕውን ሓጨጩለይ፤
ኣስናኖምውን ኣብ ልዕለይ ሓርቀሙለይ።
17ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትሪአለይ?
ንነፍሰይ ካብ ክፉእ ስራሖም፥ ንብሕትነተይውን ካብ ኣናብስ ኣናግፋ።
18ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማእኸል ዓብዪ ጉባኤ ኽግዝአልካ እየ፤
ኣብ ማእኸል ብዙሕ ህዝቢ እውን ከመስግነካ እየ።
19 #
መዝ. 69፡5፥ ዮሓ. 15፡25። እቶም ብግፍዒ ዝፀልኡኒ ኣብ ልዕለይ ደስ ኣይበሎም፤
እቶም ብኸንቱ ዝፃልኡኒውን በዒንቶም ኣይጠቓቐሱለይ።
20ንኣይስ ሰላም እዮም ዝናገሩኒሞ፤
ብቝጥዓ ድማ ጥበራ ይመኽሩ።
21ኣፎም ኣብ ልዕለይ ሃህ ኣበሉ፤
“እሰይ፥ እሰይ፥ እንኳዕ ብዓይንና ረአናዮ” ይብሉ ኣለዉ።
22ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ረአኻዮ፤ ስቕውን ኣይትበል፤
ኦ ጐይታ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ።
23ኦ ኣምላኸይን ጐይታይን፥ ናብ ፍርደይ ተልዓል፤
ኦ ጐይታ፥ ናብ ፍርደይ ፅን በል።
24ኦ ኣምላኸይ፥ ከም ፅድቅኻ ፍረደለይ፤
ፀላእተይውን ብኣይ ኣይተሓጐሱ።
25ብልቦም “እሰይ፥ እሰይ እንቋዕ ንነፍስና ደስ በላ” ኣይበሉ፤
“እንኳዕ ወሓጥናዮ” እውን ኣይበሉ።
26እቶም ብመከራይ ዝሕጐሱ፥
ብሓባር ይዋረዱ፤
እቶም ኣብ ልዕለይ ዝዕበዩ፥
ሕፍረትን ውርደትን ይልበሱ።
27እቶም ንፅድቀይ ዝፈትውዋ ደስ ይበሎም፤ ይተሓጐሱውን፤
ኵልሻዕውን “ሰላም ባርያኡ ዝደሊ፥
እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ እዩ” ይበሉ።
28ኣንደበተይ ንፅድቅኻ፥
ኵልሻዕውን ንምስጋናኻ ይናገር።
Currently Selected:
ዳዊት 35: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ዳዊት 35
35
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኦ ጐይታ፥ ነቶም ዝገፍዑኒ ግፍዓዮም፤
ነቶም ዝዋግኡኒውን ተዋግኣዮም።
2ዋልታን ኲናትን ሓዝ፤
ንኣይ ንምርዳእውን ተልዓል።
3ሰይፍኻ ምዘዝ፤ ነቶም ዘሳጕጉኒ መንገዶም ዕፆ፤
ንነፍሰይውን “መድሓኒኺ ኣነ እየ” በላ።
4ንነፍሰይ ዝደልዩ ዅሎም ይሕፈሩን ይዋረዱን፤
እቶም ኣብ ልዕለይ ክፍኣት ዝሓስቡ ይሕፈሩ፤
ንድሕሪኣቶምውን ይመለሱ።
5ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ በነንታ ይኹኑ፤
መልኣኽ እግዚኣብሄር የጨንቆም።
6መንገዶም ፀልማትን መንደልሃፅን ይኹን፤
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ የሳጕጎም።
7ብኸንቱ ኸጥፍኡኒ መፈንጠሮም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ እዮም እሞ፥
ንነፍሰይውን ብኸንቱ ኣበሳጭዮምዋ እዮም እሞ።
8ዘይፈልጥዎ መፈንጠር ይምፅኣዮም፤
እቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ይሓዞም፤
ናብቲ ውሽጢ መፈንጠርውን ይውደቑ።
9ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ደስ ይብላ፤
ብምድሓኑውን ትሕጐስ።
10ኵሎም ኣዕፅምተይ ከምዙይ ይብሉኻ፦
“ኦ ጐይታ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ?
ንስኻ ነቲ ድኻ ኻብ ኢድ ዝኸትሮ፤
ንምስኪንን ንድኻን ድማ ኻብ ኢድ ነጣቒ ተናግፎም።”
11መሰኻኽር ዓመፃ ተልዓሉኒ፤
ዘይፈልጦ ነገርውን ኣብ ልዕለይ ተናገሩ።
12ክንዲ ሰናይ ክፉእ ፈደዩኒ፤
ንነፍሰይውን ውሉድ ኣስኣንዋ።
13ኣነ ግና ንሳቶም ምስ ሓመሙ፥ ወጮ ተኸደንኩ፤
ንነፍሰይውን ብፆም ኣድከምኩዋ፤
ፀሎተይ ናብ ሕቝፈይ ተመለሰ።
14ንፈታውየይን ንሓወይን ከም ዝገብሮ ገበርኩ፤
ንኖኡ ኸም ዝበኪውን ርእሰይ ትሕት ትሕት ኣበልኩ።
15ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ደስ ድማ በሎም፤
ግፍዐኛታት ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ኣነ ግና ኣይፈለጥኩን፤
ሰላልዑኒ፤ ኣይሓደጉንንውን።
16ፈተኑኒ ብስሓቕውን ሓጨጩለይ፤
ኣስናኖምውን ኣብ ልዕለይ ሓርቀሙለይ።
17ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትሪአለይ?
ንነፍሰይ ካብ ክፉእ ስራሖም፥ ንብሕትነተይውን ካብ ኣናብስ ኣናግፋ።
18ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማእኸል ዓብዪ ጉባኤ ኽግዝአልካ እየ፤
ኣብ ማእኸል ብዙሕ ህዝቢ እውን ከመስግነካ እየ።
19 #
መዝ. 69፡5፥ ዮሓ. 15፡25። እቶም ብግፍዒ ዝፀልኡኒ ኣብ ልዕለይ ደስ ኣይበሎም፤
እቶም ብኸንቱ ዝፃልኡኒውን በዒንቶም ኣይጠቓቐሱለይ።
20ንኣይስ ሰላም እዮም ዝናገሩኒሞ፤
ብቝጥዓ ድማ ጥበራ ይመኽሩ።
21ኣፎም ኣብ ልዕለይ ሃህ ኣበሉ፤
“እሰይ፥ እሰይ፥ እንኳዕ ብዓይንና ረአናዮ” ይብሉ ኣለዉ።
22ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ረአኻዮ፤ ስቕውን ኣይትበል፤
ኦ ጐይታ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ።
23ኦ ኣምላኸይን ጐይታይን፥ ናብ ፍርደይ ተልዓል፤
ኦ ጐይታ፥ ናብ ፍርደይ ፅን በል።
24ኦ ኣምላኸይ፥ ከም ፅድቅኻ ፍረደለይ፤
ፀላእተይውን ብኣይ ኣይተሓጐሱ።
25ብልቦም “እሰይ፥ እሰይ እንቋዕ ንነፍስና ደስ በላ” ኣይበሉ፤
“እንኳዕ ወሓጥናዮ” እውን ኣይበሉ።
26እቶም ብመከራይ ዝሕጐሱ፥
ብሓባር ይዋረዱ፤
እቶም ኣብ ልዕለይ ዝዕበዩ፥
ሕፍረትን ውርደትን ይልበሱ።
27እቶም ንፅድቀይ ዝፈትውዋ ደስ ይበሎም፤ ይተሓጐሱውን፤
ኵልሻዕውን “ሰላም ባርያኡ ዝደሊ፥
እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ እዩ” ይበሉ።
28ኣንደበተይ ንፅድቅኻ፥
ኵልሻዕውን ንምስጋናኻ ይናገር።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in