YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 18

18
ንሊቀ መዘምራን፦ ካብ ኢድ ሳኦልን ካብ ኢድ ፀላእቱን እግዚአብሔር ብዘናገፎ መዓልቲ፥ ባሪያ እግዚአብሔር ዝኾነ ዳዊት ከምዙይ ኢሉ፥ በዝ መዝሙር እዙይ ንእግዚአብሔር ዝተዛረቦ ቃል።
(2 ሳሙ. 22፡1-51)
1ኦ ሓይለይ እግዚኣብሄር፥ እፈትወካ እየ።
2እግዚኣብሄር ከውሐይ፥ ዕርደይን መድሓኒየይን እዩ፤
ኣምላኸይ፥ ብእኡውን ዝእመነሉ ረዳእየይ፥
መተኣማመኒየይን ቀርኒ ምድሓነይን መፀግዕየይን እዩ።
3ምስጋና ንዝግብኦ እግዚኣብሄር ክፅውዕ እየ፤
ካብ ፀላእተይውን ክድሕን እየ።
4ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤
ውሕጅ ዓመፅውን ኣፍርሐኒ፤
5ፃዕሪ ሲኦል ከበበኒ፤
መፈንጠር ሞት ኣርከበኒ።
6ብጊዜ መከራይ ንእግዚኣብሄር ፀዋዕኹዎ፤
ናብ ኣምላኸይውን ኣእዌኹ፤
ካብ መቕደሱውን ድምፀይ ሰምዐ፤
ገዓረይውን ኣብ ቅድሚኡ ናብ ኣእዛኑ ኣተወ።
7ሽዑ ምድሪ ኣንቀጥቀጠትን ተናወፀትን፤
መሰረታት እምባታትውን ተነቓነቑ፤
እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ተንቀጥቀጡ።
8ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤
ካብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ኻብኡ በርሀ።
9ንሰማያት ትሕት ትሕት ኣቢሉ ወረደ፤
ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።
10ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፤
በኽናፍ ንፋስ ከዓ በረረ።
11መሰወሪኡ ድማ ፀልማት ገበረ፤
ኣብ ዙርያኡውን ድንኳኑ ገበረ፤
ኣብ ውሽጢ ደመናት ናይ ፀልማት ማይ ነበረ።
12ኣብ ገፁ ኻብ ዘሎ ነፀብራቕ ዝተልዓለ፥
ደመናን በረድን ጓህሪ ሓዊን ሓለፉ።
13እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፤
ልዑልውን ቃሉ ሃበ።
14ፍላፃታቱ ወርዊሩ በተኖም፤
ብርቱዕ መብረቕ ሰዲዱውን ሃወኾም።
15ኦ ጐይታ፥ ካብ ቍጥዓኻ፥
ካብ እስትንፋስ መንፈስ መዓትካውን ዝተልዓለ፥
ዓይኒ ማያት ተርኣዩ፤
መሰረታት ምድሪ እውን ተገለፁ።
16እግዚኣብሄር ካብ ኣርያም ኢዱ ዘርጊሑ ሓዘኒ፤
ካብ ብዙሕ ማያትውን ኣውፅአኒ።
17ካብቶም ብርቱዓት ፀላእተይ፥
በርቲዖምኒ ነይሮም እዮምሞ፥
ካብቶም ዝፀልኡኒ ፀላእተይውን ኣድሓነኒ።
18ብመዓልቲ መከራይውን በፅሑኒ፤
ግና እግዚኣብሄር ደገፈይ ኮነኒ።
19ናብ ሰፊሕ ቦታውን ኣውፅአኒ፤
ፈትዩኒ እዩሞ ኣድሓነኒ።
20እግዚኣብሄር ከም ፅድቀይ ክኸፍለኒ እዩ፤
ከም ንፅህና ኢደይውን ክፈድየኒ እዩ።
21መንገዲ እግዚኣብሄር ሓሊየ እየሞ፤
ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።
22ኵሉ ፍርዱ ኣብ ቅድመይ እዩሞ፤
ስርዓታቱውን ካባይ ኣየርሓቕኩን።
23ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ነበርኩ፤
ካብ ሓጢኣተይውን ተዓቀብኩ።
24እግዚኣብሄር ከም መጠን ፅድቀይ፥ ክህበኒ እዩ፤
ኣብ ቅድሚኡውን ከም ንፅህና ኢደይ ክፈድየኒ እዩ።
25ምስ ፃድቕ፥ ፃድቕ ትኸውን፤
ምስ ቕኑዕ፥ ቅኑዕ ትኸውን።
26ምስ ንፁህ፥ ንፁህ ትኸውን፤
ምስ ጠዋይ፥ ጠዋይ ትኸውን።
27ንስኻ ንጥቑዕ ህዝቢ ተድሕኖ ኢኻሞ፤
ንዓይኒ ትዕቢተኛታት ግና ተዋርዶ።
28ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብራህተይ ተብርህ፤
ኣምላኸይ እግዚኣብሄር፥ ንፀልማተይ የብርህ።
29ብኣኻ ኻብ ጥፍኣት እድሕን፤
ብኣምላኸይውን ንቕፅሪ እዘሎ።
30መንገዲ ኣምላኸይ ፍፁም እዩ፤
ቃል እግዚኣብሄር ፅሩይ እዩ፤
ንሱ ነቶም ንእኡ ዝእመኑ ዅሎም ዋልታኦም እዩ።
31ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ?
እንትርፊ ኣምላኽናኸ እግዚኣብሄር መን እዩ?
32ሓይሊ የዕጥቐኒ፥ ንመንገደይውን የቕንዐለይ፤
33 # እንባ. 3፡19። ነእጋረይ ከም እግሪ ሰስሓ ዘፅንዐን፤
ኣብ እምባታት ከዓ ዘቑመኒ፥ እግዚኣብሄር እዩ።
34ነእዳወይ ውግእ ይምህረን፤
ንቐላፅመይውን ቀስቲ ነሃስ ገበረን።
35ንድሕነተይውን መተኣማመኒ ሂብካኒ፤
የማነይትኻውን ትድግፈኒ፤
ትምህርትኻውን ንዘለኣለም የፅንዐኒ፤
ዝምህረኒውን ተግሳፅካ እዩ።
36ንኣካይዳይ ኣብ ትሕተይ ኣስፋሕኻለይ፤
ኣእጋረይውን ኣይተሰናኸላን።
37ንፀላእተይ ከሳጕጎም፤ ክሕዞምውን እየ፤
ክሳዕ ዘጥፍኦምውን ኣይምለስን።
38ከጨንቖም እየ፤ ምቛምውን ኣይኽእሉን፤
ኣብ ትሕቲ እግረይ ክወድቑ እዮም።
39ብጊዜ ሰልፊ ሓይሊ ተዕጥቐኒ፤
ንዅሎም እቶም ኣብ ልዕለይ ዝቖሙ ኣብ ትሕተይ ተግዝኦም።
40ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤
ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኻዮም።
41ዝረድኦም ደልዮም ኣእወዩ፤
ዘናግፎም ግና ኣይረኸቡን፤
ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ኣእወዩ፤
ንሱውን ኣይሰምዖምን።
42ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ዘሎ ሓመድ ክጥሕኖም እየ፤
ከም ጭቃ መንገዲውን ክረግፆም እየ።
43ካብ ክርክር ኣህዛብ ተድሕነኒ፤
ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ድማ ትሸመኒ፤
ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ተገዝአለይ።
44ብእዝኒ ሰሚዖም ተገዝኡለይ፤
ደቂ ጓና እናሰገዱ ናባይ መፁ።
45ደቂ ጓና ኣረጉ፤
ብመንገዶምውን ተሰናኸሉ።
46እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤
ኣምላኸይውን ብሩኽ እዩ፤
ኣምላኽ መድሓኒተይውን ልዕል ልዕል ይበል።
47እቲ በቐለይ ዝምልሰለይ ኣምላኽ፤
ንኣህዛብውን ኣብ ትሕተይ ከግዝአለይ እዩ።
48ካብ ፀላእተይ ዘናግፈኒ ንሱ እዩ፤
ኣብ ልዕለይ ካብ ዝቖሙ ልዕል ልዕል ተብለኒ፤
ካብ ገፋዒ ሰብ ተድሕነኒ ኢኻ።
49 # ሮሜ 15፡9። ኦ ጐይታ ስለዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤
ንስምካውን ክዝምር እየ።
50ዓብዪ ድሕነት ንንጉስ ይገብረሉ፤
ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ንዳዊትን ንዘርኡን ክሳዕ ዘለኣለም ይህብ።

Currently Selected:

ዳዊት 18: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in