ዳዊት 16
16
ናይ ዳዊት ቅኔ
1ኦ ኣምላኽ! ኣባኻ ተኣሚነ ኣለኹሞ ሓልወኒ።
2ንእግዚኣብሄር፥ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ በልኩ፤
ብዘይ ዘኣኻ ሰናይ የብለይን።
3ኵሉ ፍቓድካ፥
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዘለዉ ቕዱሳንን ክቡራንን እዩ።
4ናብ ካልኦት ንዝፈጥኑ መከራኦም ብዙሕ እዩ፤
ኣነ ንናይ ቍርባኖም ደም ኣየፍስስን፤
ስማቶምውን ብኸናፍረይ ኣይፅውዕን።
5እግዚኣብሄር ክፍሊ ርስተይን ፅዋዐይን እዩ፤
ነቲ ዕፃይ እተፅንዖ ንስኻ ኢኻ።
6ገመድ ኣብ ዝፀበቐ ቦታ ወደቐትለይ፤
ርስተይውን ፀበቐትለይ።
7ነቲ ዝመኽረኒ እግዚኣብሄር እባርኾ፤
ብለይቲውን ኰላሊተይ ይግስፃኒ።
8ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እሪኦ ኣለኹ፤
ብየማነይ ስለ ዘሎ ድማ ኣይህወኽን።
9ስለዙይ ልበይ ደስ በሎ፤ ኣንደበተይውን ዕልል በለ፤
ስጋይውን ብተስፋ ትሓድር።
10 #
ግ.ሓ. 13፡35። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይተሓድጋን ኢኻሞ፥
ንቕዱስካውን ምብስባስ ክርኢ ኣይተሓድጎን ኢኻ።
11መንገዲ ህይወት ኣርአኻኒ፤
ምስ ገፅካ ታሕጓስ ኣፅገብካኒ፤
ኣብ የማንካውን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣሎ። #ግ.ሓ. 2፡25-28።
Currently Selected:
ዳዊት 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ዳዊት 16
16
ናይ ዳዊት ቅኔ
1ኦ ኣምላኽ! ኣባኻ ተኣሚነ ኣለኹሞ ሓልወኒ።
2ንእግዚኣብሄር፥ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ በልኩ፤
ብዘይ ዘኣኻ ሰናይ የብለይን።
3ኵሉ ፍቓድካ፥
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዘለዉ ቕዱሳንን ክቡራንን እዩ።
4ናብ ካልኦት ንዝፈጥኑ መከራኦም ብዙሕ እዩ፤
ኣነ ንናይ ቍርባኖም ደም ኣየፍስስን፤
ስማቶምውን ብኸናፍረይ ኣይፅውዕን።
5እግዚኣብሄር ክፍሊ ርስተይን ፅዋዐይን እዩ፤
ነቲ ዕፃይ እተፅንዖ ንስኻ ኢኻ።
6ገመድ ኣብ ዝፀበቐ ቦታ ወደቐትለይ፤
ርስተይውን ፀበቐትለይ።
7ነቲ ዝመኽረኒ እግዚኣብሄር እባርኾ፤
ብለይቲውን ኰላሊተይ ይግስፃኒ።
8ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እሪኦ ኣለኹ፤
ብየማነይ ስለ ዘሎ ድማ ኣይህወኽን።
9ስለዙይ ልበይ ደስ በሎ፤ ኣንደበተይውን ዕልል በለ፤
ስጋይውን ብተስፋ ትሓድር።
10 #
ግ.ሓ. 13፡35። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይተሓድጋን ኢኻሞ፥
ንቕዱስካውን ምብስባስ ክርኢ ኣይተሓድጎን ኢኻ።
11መንገዲ ህይወት ኣርአኻኒ፤
ምስ ገፅካ ታሕጓስ ኣፅገብካኒ፤
ኣብ የማንካውን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣሎ። #ግ.ሓ. 2፡25-28።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in