ፊልጵስዩስ 4
4
ናይ መወዳእታ ምዕዳን
1 #
1 ተሰ. 2፡19። እምበኣር ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፥ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን ዝኾንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣብ ጐይታ ፀኒዕኹም ቁሙ።
2 #
ፊልጵ. 2፡2። ንኤዎድያንን ንስንጤኪንን፥ #4፡2 ገሊኣቶም ፅሑፋት “ንኤዎድያንን ንስንጤኪንን” ብተባዕታይ ይገልፁ። ብጐይታ ብሓደ ሓሳብ ምእንቲ ኽሰማምዓ እምዕደን ኣለኹ። 3#ሉቃ. 10፡20። ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥#4፡3 እሙን መሳርሕተይ፦ ግእዝ “ሲትሪካ” ይብል። ክትድግፈን፥#4፡3 ክትድግፈን፦ ግእዝ “ክትድግፎም” ይብል። እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።
4 #
ፊልጵ. 3፡1። ኵልሻዕ ብጐይታ ተሓጐሱ፤ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ። 5#ያቆ. 5፡8። ልውህናኹም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፤ ጐይታ ቐረባ እዩ። 6#ማቴ. 6፡25። ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። 7#ዮሓ. 14፡27፥ ቈላ. 3፡15። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
8ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ። 9#ፊልጵ. 3፡17። ነቲ ዅሉ ኻባይ ዝተምሃርኩምዎን፥ ዝተቐበልኩምዎን፥ ዝሰማዕኹምዎን፥ ኣባይውን ዝረአኹምዎን፥ ግበርዎ፤ ኣምላኽ ሰላም ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዝተልኣኸሉ ኸም ዘመስገነ
10ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ መሊስኩም ክትሓስቡለይ ስለዝተለዓዓልኩም፥ ብጐይታ ኣብዚሐ እሕጐስ ኣለኹ። ምችዊ እዋን ኣይረኸብኩምን እምበር፥ ቅድምውን ተሓስቡለይ ኔርኩም ኢኹም። 11#1 ጢሞ. 6፡6-8። እዙይ ዝብል ዘለኹ፥ ስለ ዝሰኣንኩ ኣይኮነን፤ ዘለኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየሞ። 12ትሕት ምባል እፈልጥ፤ ሕልፍን ትርፍን ዘለካ ምዃን እፈልጥ፤ ኣብ ፅጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት፥ ብሃብቲ ኾነ ብድኽነት፥ ኣብ ኵሉን ብዅሉን፥ ናይ ምንባር ምስጢር ተምሂረ ኣለኹ። 13#ዮሓ. 15፡5፥ 2 ቆሮ. 12፡9። በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
14ኣብቲ መከራይ ተኻፈልቲ ብምዃንኩም ግና ፅቡቕ ገበርኩም። 15#2 ቆሮ. 11፡9። ኣቱም ሰብ ፊልጵስዩስ፥ መጀመርታ ንስብከት ወንጌል ካብ መቄዶንያ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንትርፊ ንስኻትኩም፥ ብምሃብ ይኹን ብምቕባል፥ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ምሳይ ከም ዘይተሓባበረት፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 16ኣብ ተሰሎንቄ እንተለኹውን፥ ሓደ ኽልተ ጊዜ፥ ዘድልየኒ ረድኤት ሰዲድኩምለይ ኔርኩም ኢኹም። 17ኣነስ እቲ ፍረ ልግስናኹም፥ ንኣኻትኩም ክበዝሐልኩም ኢለ እየ እምበር፥ ውህብቶኹም ደልየ ኣይኮንኩን። 18#ፊልጵ. 2፡25፥ ዕብ. 13፡16። ሕዚ ግና ዝኣክል፥ እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ፥ ምዑዝ ዝሽታኡ፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ ምስ ተቐበልኩ፥ መሊኡለይ ኣሎ። 19#2 ቆሮ. 9፡8። ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ፥ ብኽብሪ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኵሉ ድልየትኩም ክመልአልኩም እዩ።
20ንኣምላኽናን ኣቦናን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
21ንዅሎም ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22ኵሎም ቅዱሳን፥ ብሕልፊ እኳ፥ እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ቄሳር ዘለዉ ዅሎም፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
23ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን።
Currently Selected:
ፊልጵስዩስ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: