ዘሑልቍ 35
35
ሌዋውያን ዝቕመጡለን ከተማታት
1እግዚኣብሄር ንሙሴ፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ መንፅር ኢያሪኮ፥ ከምዙይ በሎ፦ 2ንደቂ እስራኤል፥ ካብቲ ዝወርስዎ ምድሪ ንሌዋውያን ዝነብሩለን ከተማታት ክህብዎም ኣዝዞም። ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ ምድሪ ንሌዋውያን ይሃብዎም። 3እተን ከተማታት ንመቐመጢ ይኹናኦም። እቲ ኣብ ከባቢአን ዘሎ ምድሪ ድማ ንኸፍቶምን ንጥሪቶምን ንዅሉ እንስሳኦምን ይኹን።
4እቲ ንሌዋውያን እትህብዎም ኣብ ከባቢ ኸተማታት ዘሎ ምድሪ፥ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ ስፍሓቱ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሜትር ይኹን። 5ብወፃኢ ኸተማ ብወገን ምብራቕ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ደቡብ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ምዕራብ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ሰሜን ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር ዓቅኑ። እታ ኸተማ ኣብ ማእኸል ትኹን። እዙይ ከዓ ኣብ ከባቢ እተን ከተማታት ይኹነሎም።
መዕቘቢ ዝኾና ኸተማታት
(ዘዳ. 19፡1-13፥ ኢያሱ 20፡1-9)
6እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ሽዱሽተ ኸተማታት፥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን፥ መዕቘቢ ይኹና። ብተወሳኺ ድማ ኣርብዓን ክልተን ከተማታት ሃብዎም። 7እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት፥ ኵለን ኣርብዓን ሸሞንተን ከተማታት፥ መምስ ከባቢአን ይኹና። 8እተን ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል እትህብዎም ከተማታት ድማ፥ ካብቶም ብዙሕ ዘለዎም ብዙሕ፥ ካብቶም ውሑድ ዘለዎም ውሑድ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እቲ ዝወርሶ ርስቱ ኻብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ። #ኢያሱ 21፡1-42።
9እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 10ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ንስኻትኩም ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥ 11ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን ከተማታት ፍለዩ። 12እቲ ቐታሊ ሰብ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ንፍርዲ ደው እንተይበለ ኣይሙት። እዘን ከተማታት እዚኣተን ካብቲ ፈዳዪ ሕነ መዕቘቢ ይኹናኹም። 13እተን መዕቘቢ ክኾናኹም እትህብወን ከተማታት ሽዱሽተ ይኹና። 14እተን መዕቘቢ ኸተማታት፥ ሰለስተ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ፥ ሰለስተ ኸዓ ኣብ ምድሪ ከነዓን ይኹናልኩም። 15ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ እስራኤላዊ ወይ ጓና ወይ ምስኣቶም ዝነብር ስደተኛ ናብኣተን ምእንቲ ኽሃድም፥ እዘን ሽዱሽተ ኸተማታት እዚኣተን መዕቘቢ ይኹና።
16ሓደ ሰብ ብሓፂን ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። 17ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኽቐትል ብዝኽእል እምኒ ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። 18ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኽቐትል ብዝኽእል ኣቕሓ ዕንፀይቲ ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። 19እቲ ፈዳዪ ሕነ፥ ነቲ ቐታሊ ሰብ ምስ ረኸቦ ባዕሉ ይቕተሎ። 20ብፅልኢ ደፊኡ እንተ ቐተሎ፥ ወይ ተፀናትዩ ዝኾነ ደርቢዩ እንተ ቐተሎ፥ 21ወይ ፅልኢ ነይርዎ ብኢዱ ወቒዑ እንተ ቐተሎ፥ እቲ ዝወቕዐ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። እቲ ፈዳዪ ሕነ፥ ነቲ ቐታሊ ሰብ ምስ ረኸቦ ይቕተሎ።
22ብፅልኢ ዘይኮነስ፥ እንተይፈለጠ እንተ ደፍኦ ግና፥ ፀላኢኡ ኸዓ እንተ ዘይነበረ፥ ወይ ከዓ ንኽፉእ እንተይሓሰበ፥ ወይ እንተይተፀናተወ ሓደ ነገር እንተ ደርበየሉ፥ 23ወይ እንተይረኣዮ ኽቐትል ዝኽእል እምኒ እንተ ደርበየሉ፥ እሞ እንተ ሞተ፥ 24ሽዑ እቲ ባይቶ ኣብ መንጎ እቲ ወቓዕን፥ ኣብ መንጎ እቲ ፈዳዪ ሕነን፥ ከምዙይ ገይሩ ይፍረድ፦ 25ነቲ ቐታሊ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ሕነ የድሕኖ፤ ናብታ መዕቘቢት ክትኮኖ ሃዲሙላ ዝነበረ ኸተማ ድማ ይምለሶ። እቲ ብቅዱስ ቅብኢ ዝተቐብአ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውት ኣብኣ ይፅናሕ።
26እቲ ቐታሊ፥ ካብ ወሰን እታ ሃዲሙ ተዓቚቡላ ዘሎ ኸተማ እንተ ወፀ ግና፥ 27እቲ ፈዳዪ ሕነ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ወሰን እታ ተዓቚቡላ ዘሎ ኸተማ እንተ ረኸቦ እሞ እንተ ቐተሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን። 28እቲ ቐታሊ ሰብ፥ እቲ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውት፥ ኣብታ ዝተዓቝበላ ኸተማ ኽፀንሕ ይግብኦ፤ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ካህናት ግና፥ ናብታ ምድሪ ርስቱ ኽምለስ ይኽእል እዩ። #ዘዳ. 19፡2-4፥ ኢያሱ 20፡1-9።
29እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ሃገር፥ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ፍርዲ ይኹነልኩም።
30ሰብ ዝቐተለ ዅሉ ብኣፍ መሰኻኽር ይቀተል። ሓደ ብዝመስከሮ ግና ንሞት ኣየፍርዶን እዩ። #ዘዳ. 19፡2-4፥ ኢያሱ 20፡1-9።
31ካብቲ ሞት ዝግብኦ ቐታሊ ሰብ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ፤ ይሙት ደኣ እምበር ኣይትቀበሉ።
32ስለ እቲ ናብታ መዕቘቢት ከተማ ዝሃደመ፥ ሊቀ ካህናት እንተይሞተ ምእንቲ ናብ ዓዱ ኽምለስ ኢልኩም፥ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ።
33ደም ምፍሳስ ነታ ሃገር የርክሳ እዩ እሞ፥ ነታ ዘለኹምዋ ሃገር ኣይተርክስዋ። እታ ብደም ዝረኸሰት ሃገር፥ ብደም እቲ ደም ዘፍሰሰ እያ እትነፅህ። 34ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ዝሓድር እየ። ነታ ኣነ ኣብ ማእኸላ ዝሓድራ፥ ንስኻትኩም ድማ እትነብርዋ ሃገር፥ ኣይተርክስዋ።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 35: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in