YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 34

34
ወሰን ምድሪ ከነዓን
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ናብታ ርስቲ ኽትኮነኩም እትወሃበኩም ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም ዘዋስንዋ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
3ብወገን ደቡብ፥ ካብቲ ብወገን ኤዶምያስ ዘሎ ምድረ በዳ ፂን ይኹን። ብወገን ምብራቕ፥ ካብቲ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው #34፡3 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። ይጅምር። 4ወሰንኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዘይሩ ናብ ፂን ይሕለፍ፤ ብደቡብ ቃዴስ በርኔ ኣቢሉ ድማ ይውፃእ። ብሓፀርኣዳር ወፂኡ ኸዓ ናብ ዓፅሞን ይሕለፍ። 5ካብ ዓፅሞን ከዓ እቲ ወሰን ናብ ሩባ ግብፂ ይዙር፤ ናብቲ ዓብዪ ባሕሪ #34፡5 ዓብዪ ባሕሪ፦ ሕዚ “ባሕሪ ሜዲትራንያን” ይበሃል። ድማ ይውፃእ።
6ብወገን ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕሪ ወሰን ይኹነልኩም።
7ብወገን ሰሜን ወሰንኩም ከምዙይ ይኹን፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ እምባ ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ። 8ካብ እምባ ሆር ድማ ኽሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ፅዳድ ይውፃእ። 9እቲ ወሰን ከዓ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓፃርዔናን ይውፃእ፤ ናይ ሰሜን ወሰንኩም እዙይ ይኹን።
10ናይ ምብራቕ ወሰንኩም ከዓ፥ ካብ ሓፃርዔናን ክሳዕ ሴፋማ ምልክት ግበረሉ። 11እቲ ወሰን ድማ ኻብ ሴፋማ ናብ ሪብላ፥ ንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፤ እቲ ወሰን ከዓ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብፃሕ። 12እቲ ወሰን ብፈለግ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ጨው ይብፃሕ። ሃገርኩም ምስቲ በርባዕተ ወገና ዘሎ፥ ወሰና እዙይ እዩ።
13ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ርስቲ ምእንቲ ኽትኮነኩም ነዛ ምድሪ እዚኣ ዕፃ ኣውዲቕኩም ተማቐልዋ። እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትወሃብ ዝኣዘዘ እዚኣ እያ። #ዘሑ. 26፡52-56። 14ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤቶም፥ ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኸከም ማይ ቤቶም፥ ፈረቓ ነገድ ምናሴውን ከምኡ ረርስቶም ሒዞም እዮም እሞ። 15እዞም ክልተ ነገድን እዝ ፈረቓ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ረርስቶም ሒዞም ኣለዉ። #ኢያሱ 14፡1-5።
16መሊሱ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 17እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዝመቕሉልኩም ሰባት፥ ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እዮም። 18ንምምቓል እታ ምድሪ ዝሕግዝዎም ድማ ኸካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰድ። 19ስማቶም ድማ እዙይ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ።
20ካብ ነገድ ስምኦን፥ ሰላምኤል ወዲ ዓሚሁድ።
21ካብ ነገድ ብንያም፥ ኤልዳድ ወዲ ኪስሎን።
22ካብ ነገድ ዳን፥ ቡቂ ወዲ ዮግሊ።
23ካብ ደቂ ዮሴፍ፥ ካብ ነገድ ምናሴ፥ ኣኒኤል ወዲ ሱፊድ።
24ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ቀሙኤል ወዲ ሺፍጣን።
25ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ኤሊሳፈን ወዲ ፈርናክ።
26ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ፊልጢኤል ወዲ ሖዛ። 27ካብ ነገድ ኣሴር፥ ኣሒሁድ ወዲ ሰሌሚ።
28ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ ፈዳሄል ወዲ ዓሚሁድ።
29እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ርስቲ ኽመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 34: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in