YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 15

15
ሕጊ ብዛዕባ መስዋእቲ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኽትነብርዋ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ 3ንእግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፥ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ብፍቓድካ ዝግበር መስዋእቲ፥ ወይ ኣብ በዓላትኩም ከፍቲ ወይ በጊዕ ወይ ጤል ብምውፋይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኽተቕርቡ እንተ ደሊኹም፥ ሕጉ ኸምዙይ እዩ፦ 4እቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ። 5ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ፥ ምስቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ምስቲ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ጡበታት ኣባጊዕ ሓደ ሊትሮ ወይኒ የቕርብ።
6ማጓሉ ኽስውእ እንተሎ ኸዓ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብሓደ ሊትሮን ፈረቓን ዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ። 7ንመስዋእቲ መስተ ዝኸውን ድማ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን ወይኒ የቕርብ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ ገይሩ የቕርቦ።
8ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ንመስዋእቲ ምስጋና ኢልካ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ጌርካ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር እንተ ኣቕረብካ፥ 9ምስኡ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብኽልተ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ኣቕርብ። 10ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ ኽልተ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርብ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። 11ንሕድሕድ ብዕራይ ወይ ማጓሉ ወይ ጡበት በጊዕ፥ ወይ ወጠጦ ኽትስውኡ እንተለኹም ከምኡ ግበሩ። 12ከም ቍፅሪ እቶም እትስውእዎም ከምኡ፥ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ቍፅሮም ግበሩ።
13ኵሉ ወዲ ዓዲ ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምኡ ይግበር። 14ምሳኻትኩም ንቑሩብ እዋን ዝቕመጥ ጓና፥ ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ ይግበር። 15ኣብታ ማሕበር፥ ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ስርዓት ይኹን። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓናን ንስኻትኩምን ማዕረ ኢኹም። 16ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።
17እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 18ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ 19እንጀራ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ምስ ጀመርኩም፥ ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መባእ ኣቕርቡ። 20ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዝለዓል መስዋእቲ እተቕርብዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብቲ ቐዳማይ ብዅዕኹም ዝለዓል መስዋእቲ ሓደ ቕጫ ኣቕርቡ። 21ካብቲ ቐዳማይ ብዅዕኹም ድማ ንውሉድ ወለዶኹም ዝለዓል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሃቡ።
ብዘይ ምፍላጥ ሓጢኣት እንተ ገበርካ ዝቐርብ መስዋእቲ
22ካብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዛት ብዘይ ምፍላጥ እንተ ጠሓስኩም፥ 23ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዘኩም፥ እንተ ዘይጌርኩም ኻብታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሓሊኹምዎ፥ 24ነዙይ ከዓ እቲ ማሕበር እንተይፈለጠ ብጌጋ እንተ ገበሮ፥ ሽዑ ዅሉ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ ምስ ናይ እኽሊ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን የቕርብ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል የቕርብ። #ዘፍ. 24፡22። 25እዝ በደል እዙይ ብዘይ ምፍላጥ ዝተገብረ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንዲ በደሎም ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ንእግዚኣብሄር ኣምፂኦም እዮም እሞ፥ እቲ ኻህን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል የስተስርየሎም፤ ስሕተት ነይሩ እዩሞ፥ ክሕደገሎም እዩ። 26ብዘይ ፍልጠት ዝተገብረ በደል ስለ ዝኾነ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን ሓጢኣቶም ክሕደገሎም እዩ።
27ሓደ ሰብ እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ስለ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ዓመት ዝገበረት ኣንስተይቲ ጤል የቕርብ። #ዘሌ. 4፡27-31። 28እቲ ኻህን ድማ ነቲ ብጌጋ፥ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ኽሕደገሉ እዩ። 29ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዝግበር ነገር ነቲ ወዲ ዓዲ ዝኾነ እስራኤላውን ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።
30ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ። 31ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፥ ትእዛዛቱውን ኣፍሪሱ እዩ እሞ፥ ንሱ ፈፂሙ ይወገድ፤ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ።
ሰንበት ብምድፋሩ ዝተቐተለ
32ደቂ እስራኤል ገና ኣብ ምድረ በዳ እንተለዉ፥ ሓደ ሰብ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ዕንፀይቲ እናኣረየ ረኸቡ። 33እቶም ዕንፀይቲ እናኣረየ ዝረኸብዎ ኸዓ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ኵሉ ማሕበርን ኣቕረብዎ። 34እንታይ ከም ዝገብርዎ ስለ ዘይፈለጡ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። 35እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ሰብ እቱይ ይሙት፤ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ” በሎ። 36ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፂኦም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ።
ኣብ ክዳውንቲ ዝግበር ዘፈር
37እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 38ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ወሰን ክዳውንትኹም ዘፈር ግበሩ፤ ኣብ ኵሉ እቲ ዘፈር ከዓ ሰማያዊ ፈትሊ ቕወዱሉ። #ዘዳ. 22፡12። 39እዝ ዘፈር እዙይ ድማ መዘከሪ ክኾነኩም እዩ። ነዙይ እናረአኹም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክትዝክሩን ክትእዘዝዎን ኢኹም። ሽዑ ኻብኡ ርሒቕኩም ከም ትምኒት ልብኹምን ድሌት ዓይንኹምን ኣይትኸዱን ኢኹም። 40ሽዑ ንዅሉ ትእዛዛት ክትዝክርዎን ክትገብርዎን ኢኹም። ንኣይ ንኣምላኽኩም ከዓ ቅዱሳን ክትኮኑ ኢኹም። 41ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፥ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 15: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in