ዘሑልቍ 14
14
ህዝቢ እስራኤል ከም ዝጠለመ
1በታ ለይቲ እቲኣ ዅሎም ማሕበር እስራኤል ቃሎም ዓው ኣቢሎም እናበኸዩ ሓደሩ። 2ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ከምዙይ እናበሉ ኣጕረምረሙ፦ “ኣብ ግብፂ ወይ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና? 3ንሕና ኣብ ውግእ ክንመውት፥ ኣንስትናን ደቅናን ከዓ ኽማረኹ፥ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና! ናብ ግብፂ እንተንምለስዶ ኣይምሕሸናን?” 4ንስንሳቶም ከዓ “ሓለቓ ሼምና ናብ ግብፂ ንመለስ” ተበሃሃሉ።
5ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ማሕበር ደቂ እስራኤል ብገፆም ተደፍኡ። 6ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን፥ ካብቶም ነታ ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ብጓሂ ኽዳውንቶም ቀደዱ። 7ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ “እታ ኽንስልያ ዝዞርናያ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ምድሪ እያ። 8እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ #14፡8 ምዕ. 13፡27 ረአ። ምድሪ ኸእትወና እዩ፤ ንኣኣውን ክህበና እዩ። 9ኣብ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይትዓምፁ እምበር፥ ንሳቶም ከም እንጀራ ክኾኑልና እዮም እሞ፥ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ኣይትፍርሕዎም፤ ፅላሎም ካብኣቶም ተቐንጢጡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳና እዩ። ስለዙይ ኣይትፍርሕዎም” ኢሎም ተዛረብዎም። #ዕብ. 3፡16፥ ዘፍ. 32፡11-14።
10ኵሎም እቶም ህዝቢ ግና “ብእምኒ ቀጥቂጥና ንቕተሎም” ተበሃሃሉ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተርኣየ። 11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እዝ ህዝቢ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝንዕቐኒ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታት ዘየኣምኑኒ? 12ፌራ ሰዲደ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ኻብኣቶም ንዝዓብን ንዝብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ።
13ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ማእኸል ግብፃውያን ብሓይልኻ ኣውፂእኻዮ ኢኻሞ። ግብፃውያን እዙይ ምስ ሰምዑ፥ 14ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ ኽነግርዎም እዮም። ንስኻ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዘለኻ፥ ገፅ ንገፅውን ከም ዝተርአኻ፥ ደመናኻውን ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝቐውም፥ መዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ለይቲ ኸዓ ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ከም እትኸይድ ሰሚዖም ኣለዉ። 15ሕዚ ኸዓ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ንዅሎም ብሓደ ጊዜ እንተ ኣጥፋእኻዮም፥ ሽዑ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፥ 16‘እግዚኣብሄር ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኸእትዎም ስለ ዘይከኣለ፥ ኣብ በረኻ ኣጥፍኦም’ ኢሎም ክዛረቡ እዮም።
17“ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ሓይልኻ ኣርእየና፤ ከምቲ ዘተስፈኻዮ ኸዓ ግበር። 18ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ብዙሕን ዘይውዳእን ምሕረት ዘለካ ኢኻ። በደልን ሓጢኣትን ይቕረ እትብል፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ እትቐፅዕ እምበር፥ ንበዳሊ እንተይቀፃዕኻ ኣይትሓድጎን ኢኻ። #ዘፍ. 20፡5-6፥ 34፡6-7፥ ዘዳ. 5፡9-10፥ 7፡9-10። 19ነዝ ህዝቢ እዙይ ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፥ ከምቲ ኻብ ግብፂ ሒዝካ ኽሳዕ ኣብዙይ ይቕረ ዝበልካሉ፥ ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ሓጢኣቱ ሕደገሉ።” #ዘፀ. 32፡11-14።
20እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ከምቲ ዝለመንካዮ ይቕረ ኢለሉ ኣለኹ። 21ግና፥ ኣነ ብሓቂ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብረይ ከም ዝመልአት፥ 22ኵሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፥ ድሮ እኳ ዓሰርተ ሻዕ ስለ ዝፈተኑኒ ቓለይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑ፥ 23ነታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይርእይዋን እዮም፤ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ። #ዕብ. 3፡8። 24ንባርያይ ካሌብ ግና፥ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፥ ፈፂሙውን ስለ ዝተኸተለኒ፥ ናብታ ኣትዩዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፤ ዘርኡውን ክወርስዋ እዮም። #ኢያሱ 14፡9-12። 25ኣብቲ ለሰ ድማ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ይነብሩ ስለ ዘለዉ ፅባሕ ተመሊስኩም ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ ምድረ በዳ ተጕዓዙ።”
26እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ 27“ክሳዕ መኣዝ እዩ እዝ ሕሱም ህዝቢ እዙይ ዘጕረምርመለይ? እቲ እዞም መጕረምረምቲ ደቂ እስራኤል ዘዕዘምዝምዎ ዘለዉ ሰሚዐዮ ኣለኹ። 28እምበኣር ንገሮም፦ ‘ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምቲ ኣብ እዝነይ ዝተዛረብኩምዎ፥ ከምኡ ኽገብረኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር። 29#ዘፀ. 32፡11-14። ንስኻትኩም ኣቱም ዘጕረምረምኩምለይ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ተቘፂርኩም ዝነበርኩም ኵልኻትኩም፥ ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ። #ዕብ. 3፡17። 30ናብታ ኢደይ ኣልዒለ ‘ናብኣ ኸእትወኩም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩልኩም ምድሪ፥ እንትርፊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን ኢኹም። 31ነቶም ምርኮ ክኾኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ናብታ ምድሪ ኸእትዎም እየ፤ ነታ ንስኻትኩም ዝነዓቕኩምዋ ምድሪ ድማ ኽወርስዋ እዮም። 32ንስኻትኩም ግና ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ። 33ደቅኹም ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኣርብዓ ዓመት ኮለል ክብሉ እዮም፤ ሬሳታትኩም ኣብ ምድረ በዳ ኽሳዕ ዝጠፍእ ኸዓ ምንዝርናኹም ክፆሩ እዮም። #ግ.ሓ. 7፡36። 34ከም ቍፅሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰለልኩምለን መዓልቲታት፥ ኣርብዓ ዓመት ዝገበርኩም፥ ሓንቲ ዓመት ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ እናገበርኩም፥ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ቍጥዓይውን ኽትፈልጡ ኢኹም። 35ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ። ኣቱም ብሓደ ሓቢርኩም ኣባይ ተልዒልኩም ዘለኹም ሕሱማት ማሕበር፥ ብሓቂ ኸምኡ ኽገብሮ እየ፤ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክውድኡ እዮም፤ ኣብኡውን ክሞቱ እዮም።”
36እቶም ምድሪ ኽስልሉ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም፥ ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኸም ዘጕረምርም ዝገበርዎ፥ 37እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ተቐሲፎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። 38ካብቶም ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ብህይወት ተረፉ።
39ሙሴ እዝ ነገራት እዙይ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም እቶም ህዝቢ ብዙሕ ሓዘኑ። 40ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተስኡ “በዲልና ኢና እሞ፥ እንሆ ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣለና” ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ። 41ሙሴ ግና፦ “ስለ ምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? እዙይ ድማ ኣይጠቕመኩምን እዩ። 42እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም የለንሞ፥ ብፀላእትኹም ከይትሰዓሩ ኣይትደይቡ። 43ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ክገጥሙኹም እዮም እሞ ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽታል ስለ ዝተመለስኩም እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ” በሎም።
44ንሳቶም ግና ናብ እምባ ኽድይቡ ደፈሩ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄርን ሙሴን ግና ኻብ ሰፈር ኣይተልዓሉን። 45እቶም ኣብ እምባ ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሔርማ ዝበፅሑ ኸዓ ኣሳጐጕዎም።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: