ዘሑልቍ 11
11
ሓዊ ዝበልዖም እስራኤላውያን
1እቶም ህዝቢ ክፉኣት ኮይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣጕረምረሙ። እግዚኣብሄር ሰሚዑ ድማ ተቘጥዐ፤ ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ነደደ፤ ነቲ ወሰን ሰፈር ድማ በልዐ። 2እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ ምስ ኣእወዩ፥ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ጠፍአ። 3ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኣቶም ስለ ዝነደደ ድማ፥ እታ ቦታ እቲኣ ተቤራ #11፡3 ተቤራ፦ ብዕብራይስጢ “ምንዳድ” ማለት እዩ። ተብሃለት።
ክንዲ መና ኣዕዋፍ ከም ዝሰደደሎም
4እቲ ኣብ መንጎኣቶም ዝነበረ ዝተፈላለየ ህዝቢ ህርፋን ሓዞ፤ ደቂ እስራኤልውን ይበኽዩ ነበሩ፤ “እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? በሉ። 5እቲ ኣብ ግብፂ ብኸምኡ እንበልዖ ዝነበርና ዓሳ፥ ዱባ፥ ብርጭቕ፥ ዝኩኒ፥ ቀይሕ ሽጕርቲ፥ ፃዕዳ ሽጕርቲ ይዝከረና ኣሎ። 6ሕዚ ግና ሰብነትና ነቐፀ፤ ዓይንናውን ብዘይ እዝ መና እዙይ ዝሪኦ የለን” በሉ።
7እቲ መና ኸዓ ኸም ፍረ ፃቕዳ ነበረ፤ ትርኢቱ ድማ ኸም ትርኢት እንዳዲዕ ነበረ። 8እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ። ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይወቕጥዎ፤ ኣብ ቍራዕ የብስልዎ፤ ቅጫውን ይገብርዎ ነበሩ። ጣዕሙውን ብዘይቲ ኸም ዝተሰንከተ ቕጫ ይጥዕም ነበረ። #ዘፀ. 16፡31። 9ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ እንትወርድ፥ መና ኸዓ ኣብልዕሊኡ ይወርድ ነበረ። #ዘፀ. 16፡13-15።
10ሙሴ ድማ፥ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኖም እንትበኽዩ ሰምዐ። ቍጥዓ እግዚአብሔር ከዓ የመና ነደደ፤ ሙሴውን ተቘጥዐ። 11ንእግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ንኣይ ንባርያኻ ኣኽበድካለይ? ሸኽሚ እዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣብ ርእሰይ ዘንበርካ? ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ? 12‘መጕዚት፥ ንዝጠቡ ህፃን ከም እትፀውር፥ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኽሳዕ ዘእትዎም ኣብ ሕቝፍኻ ፁሮም’ እትብለንስ፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ኣነዶ ጠኒሰዮ? ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ? 13ኣብ ቅድመይ እናበኸዩ ‘እንበልዖ ስጋ ሃበና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ዝህቦ ስጋኸ ኻበይ ክረክብ እየ? 14ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ፥ ኣነ በይነይ ክፆሮ ኣይክእልን እየ እሞ፥ እምብዛ ኸቢዱኒ ኣሎ። 15ከምዙይ እትገብረኒ ኻብ ኮንካ ነቲ መከራ ኸይርኢ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ቕተለኒ።”
16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም፥ ሰብዓ ሰባት ኣክበለይ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣምፅኣዮም፤ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም። 17ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸንብር እየ። ንስኻ በይንኻ ኸይትፆሮ ድማ፥ ፆር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኽፆሩ እዮም።
18“ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ፅባሕ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ ንፅሁ፤ እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? ኣብ ግብፂ ፅቡቕ ነበርና፤ እናበልኩም ብምብካይ ዘጕረምረምኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ፤ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኽህበኩም እዩ እሞ ኽትበልዑ ኢኹም። 19ሓደ መዓልቲ ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኮነን እትበልዑ፤ 20ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዝወፅእ እሞ ኽሳዕ እትፀልእዎ ወርሒ ምሉእ ክትበልዑ ኢኹም። እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕኩምዎን፥ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ወፃእና? እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኸኹምን እዩ’ በሎም” በሎ። 21ሙሴ ኸዓ፥ “እዝ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዘለኹ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር እዩ። ንስኻ ኸዓ ‘ወርሒ ምሉእ ዝበልዕዎ ስጋ ኽህቦም እየ’ ትብል ኣለኻ። 22ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን እንተ ዝሕረዳ ምኣኸላኦምዶ? ዅሉ ዓሳ ባሕሪ እንተ ዝእከብከ መፅገቦምዶ?” በለ።
23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢደይ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓፃር እያ? እቲ ዝብሎ ዝፍፀም እንተ ኾይኑ ወይ ዘይፍፀም እንተ ኾይኑ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
24ሙሴ ድማ ወፂኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ነቶም ህዝቢ ነገሮም። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰባት ኣኪቡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም። 25እግዚኣብሄር ከዓ ብደመና ወሪዱ ንሙሴ ተዛረቦ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣሕደረ። እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኣቶም ምስ ዓረፈ ድማ ተነበዩ፤ ደጊሞም ግና ኣይተናገሩን።
26ኤልዳድን ሞዳድን ዝበሃሉ ኽልተ ሰብኡት፥ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ። ንሳቶም ካብቶም ዝተፅሓፉ ነበሩ፤ ናብ ድንኳን ግና ኣይኸዱን ነበሩ፤ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ኣብ ሰፈር እንተለዉ ኸዓ ትንቢት ተናገሩ። 27ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩ፥ “ኤልዳድን ሞዳድን ኣብ ሰፈር ኮይኖም ይንበዩ ኣለዉ” ኢሉ ንሙሴ ነገሮ። 28ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኸዓ፥ “ጐይታይ ሙሴ፥ ከልክሎም” ኢሉ ተዛረበ።
29ሙሴ ግና “ንኣይ ዲኻ ቐኒእኻ? እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እንተ ዘንብር፥ ኵሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከዓ ነቢያት እንተ ዝኾኑሞ መን ምሃበ” በሎ። 30ሙሴን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ናብ ሰፈር ተመለሱ።
31ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወፀ፤ ካብ ባሕሪ ኸዓ ብርንሂጎታት ኣምፂኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል በዙይ፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል ድማ በቱይ፥ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር በተኖም፤ ምብራኹ ኸዓ ኻብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ። 32እቲ ህዝቢ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ መዓልትን ለይትን፥ ንፅባሒቱውን ምሉእ መዓልቲ ብርንሂጎታት ኣከበ። እቲ ዝወሓደ ዝኣከበ፥ ዓሰርተ ዅንታል ኣከበ። ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ድማ ሰጥሕወን። 33እቲ ስጋ ገና ኣብ ኵርምቶም እንተሎ እንተይሓየኽዎ ኸዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ነደደ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ወቕዐ። 34ነቶም ህርፋን ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ስለ ዝቐበርዎም፥ እታ ቦታ እቲኣ “መቓብር ህርፋን” ተብሃለት።
35እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ “መቓብር ህርፋን” ናብ ሓፄሮት ተጕዓዙ፤ ኣብኣ ኸዓ ሰፈሩ።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: