ነህምያ 3
3
ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ብሓድሽ ክስራሕ ከም ዝተጀመረ
1እቲ ዓብዪ ካህን ኤልያሴብ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ፥ ነቲ ቕፅሪ በሪ ኣባጊዕ ነደቕዎን ቀደስዎን፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ። ክሳዕ እቲ ሃሜኣ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ መሐለዊ ግንቢ ሃናንኤልን ድማ ቐደስዎ። 2ሰብ ኢያሪኮ ኸዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ፤ ዘኩር ወዲ ኣምሪውን ካብኡ ዝቕፅል ነደቐ።
3ደቂ ሃስናኣውን ነቲ በሪ ዓሳ ዝበሃል ደገ ነደቑዎ፤ ልዳት ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትን ድማ ገበሩሉ። 4ሜሪሞት፥ ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ ከዓ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሜሱላም ወዲ በራክያ፥ ወዲ ሜሴዜቤል ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሳዶቅ ወዲ በዓና ድማ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ። 5ቴቁሓውያን ከዓ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ። እቶም ክቡራቶም ግና ናብቲ ስራሕ ጐይታኦም ክሳዶም ኣየዘንበሉን።
6ዮዳሄ ወዲ ፋሴሓን ሜሱላም ወዲ በሶድያን ከዓ ነቲ ዝኣረገ በሪ ሓደስዎ፤ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁ ድማ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ። 7ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ድማ መልጥያና እቲ ገባዖናዊን ያዶን እቲ ሜሮኖታዊን እቶም ሰብ ገባዖንን ምፅጳን ክሳዕ ኣዳራሽ እቲ ገዛኢ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ነደቑ። 8ዑዝኤል ወዲ ሓርሃያ፥ ሰራሒ ወርቂ ኸዓ፥ ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሃናንያ ኻብቶም ቀመምቲ ሽቱ ድማ፥ ካብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ። ንኢየሩሳሌም ከዓ ኽሳዕ እቲ ገፊሕ ቅፅሪ ነደቕዋ። 9ረፋያ ወዲ ሆር፥ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌም ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። 10ይዳያ ወዲ ኤርማፍ ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ኣብ መንፅር ቤቱ ነደቐ። ሓጡስ ወዲ ኣስበንያ ድማ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ። 11መልክያ ወዲ ካሪምን ኣሱብ ወዲ ፊሓት ሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግንቢ እቶን ነደቑ። 12ሰሎም ወዲ ኣሎኤስ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌምን ኣዋልዱን ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ።
13ሓኖንን ኣብ ከተማ ዛኖዋ ዝነብሩን ከዓ ንበሪ እቲ ለሰ ሓደስዎ፤ ነዲቖምውን መዓፁ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ። ክሳዕ ደገ እቲ ምጕሓፍ ጐድፍ ኣርባዕተ ሚእትን ኣርብዓን ሜትር ዝምንዋሑ ቕፅሪ ሰርሑ።
14መልክያ ወዲ ሬካብ፥ ሹም ቤትሃካሪም ከዓ ነቲ በሪ መደርበዪ ጐሓፍ ሓደሶ፤ ነዲቑውን መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትን ገበረሉ።
15ሰሎም ወዲ ኮልሖዜ፥ ሹም ግዝኣት ምፅጳ ድማ ንበሪ ዒላ ሓደሶ፤ ነዲቑውን ከደኖ፤ መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበረሉ። ብዘይ እዙይ ድማ ኻብቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ መሐመሲ ወሽመጥ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዘውርድ መሳልል ዘሎ መንደቕ ሰርሐ። 16ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፥ ሹም ፍርቂ ቤትፁር፥ ክሳዕ መንፅር መቓብር ዳዊትን ክሳዕ እቲ ዝተሰርሐ መሐመስን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ሓደሰ።
ኣብ ቅፅሪ ዝሰርሑ ሌዋውያን
17ብድሕሪኡ ዝሰርሑ ሌዋውያን፦
ሬሑም ወዲ ባኒ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ።
ኣብ ጥቓኦም ድማ ሓሸብያ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ቅዒላ፥ ክንዲ ግዝኣቱ ኣልጊቡ ሓደሰ።
18ብድሕሪኡ በዋይ ወዲ ኤንሓዳድ፥ ሹም እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላን ኣሕዋቱን ሓደሱ።
19ኣብ ጥቓኡ ድማ ዔፅር ወዲ ኢያሱ ሹም ምፅጳ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንፅር እቲ ናብ ቤት ኣፅዋር ዝወስድ መደያይቦ፥ ኣብቲ መኣዝን ሓደሰ።
20ብድሕሪኡ ባሮክ ወዲ ዘባይ ካብቲ መኣዝን ጀሚሩ ኽሳዕ በሪ ቤት ኤልያሴብ እቲ ዓብዪ ካህን ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ሓደሰ።
21ብድሕሪኡ ሜሪሞት ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ፥ ካልእ ክፍሊ ኻብ በሪ ቤተ ኤልያሴብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሴብ ሓደሰ።
ኣብ ቅፅሪ ዝሰርሑ ኻህናት
22ብድሕሪኡ እቶም ናይ ቈላ ሰባት እቶም ካህናት ሓደሱ።
23ብድሕሪኦም ብንያምን ኣሱብን ኣብ መንፅር ቤቶም ዘሎ ሓደሱ። ካብኣቶም ቀፂሉ ኣዛርያስ፥ ወዲ መዕሴያ ወዲ ሓናንያ፥ ኣብ ጥቓ ቤቱ ዘሎ ሓደሰ።
24ቢንዊ ወዲ ኤንሓደድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያስ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ።
25ፋላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንፅር እቲ መኣዘንን፥ እቲ ኻብ ላዕለዋይ ቤት ንጉስ ወፃኢ ዘሎ ግንብን፥ ኣብ ጥቓ ሰፈር ሓለውቲ ነደቐ። ብድሕሪኡ ድማ ፈዳያ ወዲ ፋኖስ ሰርሐ። 26እቶም ናታኒምውን ኣብ ዖፌል ዝቕመጡ፥ ክሳዕ መንፅር ደገ ማይ ብወገን ምብራቕን፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዝነበረ ግንብን ሓደሱ።
ካልኦት ነደቕቲ
27ብድሕሪኡ እቶም ቴቁሓውያን ካልእ ክፍሊ ኻብ መንፅር እቲ ውፁእ ዓብዪ ግንብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልን ዘሎ ኣዐረዩ።
28እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ በሪ ኣፍራስ ዘሎ መመንፅር ቤቶም ሓደሱ።
29ብድሕሪኡ ሳዶቅ ወዲ ኢሜር ኣብ መንፅር ቤቱ ዘሎ ሓደሰ።
ብድሕሪኡ ሸማያ ወዲ ሴኬንያ፥ ሓላዊ በሪ ምብራቕ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደሰ።
30ብድሕሪኡ ሓናንያ ወዲ ሰላምያን ሃኑን ሻድሻይ ወዱ ንፃላፍን ካልእ ክፍሊ ቐፂሎም ሓደሱ።
ብድሕሪኡ ሜሱላም ወዲ በራክያ ኻብ መንፅር ቤቱ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ።
31ብድሕሪኡ መልክያ፥ እቲ ሰራሒ ወርቂ፥ ክሳዕ ናታኒምን ክሳዕ ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንፅር በሪ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ።
32ሰራሕቲ ወርቅን ነጋዶንውን ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መኣዘንን ኣብ መንጎ በሪ ኣባጊዕን ዘሎ ሓደሱ።
Currently Selected:
ነህምያ 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: