ነህምያ 12
12
ካህናትን ሌዋውያንን
1እቶም ምስ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያልን ምስ ኢያሱን ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፦
ካህናት፦
ሰራያ፥ ኤርሚያስ፥ እዝራ፥
2ኣማርያ፥ መሉክ፥ ሓጡስ፥
3ሴኬንያ፥ ሬሑም፥ ሜሪሞት፥
4ኣዶ፥ ጊንቶን፥ ኣቢያ፥
5ሚያሚን፥ መዓድያ፥ ቢልጋ፥
6ሻማያ፥ ዮያሪብ፥ ዮዳዔ፥
7ሰሉ፥ ዓሞቅ፥ ኬልቅያስ፥ ዮዳኤ እዮም። እዚኣቶም ብዘመን ኢያሱ ናይ ካህናትን ናይ ኣሕዋቶምን ኣሕሉቕ ነበሩ።
8ሌዋውያን፦
ኢያሱ፥ ቢንዊ፥ ቀድምኤል፥ ሰራብያ፥ ይሁዳ፥ መታንያ፥ እዚኣቶም ኵሎም መራሕቲ መዝሙር ምስጋና ነበሩ። 9ኣሕዋቶም በቅቡቅያን ዑኒን ከዓ በብሰሙኖም ኣብ መንፅሮም ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ።
ወለዶ ሊቀ ካህናት ኢያሱ
10ኢያሱ ኸዓ ንዮኣቂም ወለደ፤ ዮኣቂም ንኤልያሴብ ወለደ፤ ኤልያሴብ ንዮኣዳ ወለደ። 11ዮኣዳ ንዮናታን ወለደ፤ ዮናታን ንያዱዓ ወለደ።
ኣሕሉቕ ማይ ቤት ካህናት
12ብዘመን ዮኣቂም ሊቀ ካህናት ኣሕሉቕ ማይ ቤት ካህናት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦
ካብ ማይ ቤተ ሰራያ ምራያ፥ ካብ ኤርሚያስ ሓናንያ፥
13ካብ እዝራ፥ ሜሱላም፤ ካብ ኣማርያ፥ ይሆሓናን፤
14ካብ መሉኪ፥ ዮናታን፤ ካብ ሰበንያ፥ ዮሴፍ፤
15ካብ ካሪም፥ ዓድና፤ ካብ መራዮት፥ ሔልቃይ፤
16ካብ ዓዶ፥ ዘካርያስ፤ ካብ ጌንቶን፥ ሜሱላም፤
17ካብ ኣቢያ፥ ዝክሪ፥ ካብ ሚያሚን፥ ካብ ሞዓድያ፥ ፊልጣያ፤
18ካብ ቢልጋ፥ ሳሙስ፤ ካብ ሸማያ፥ ዮናታን፤
19ካብ ዮያሪብ፥ መትናይ፤ ካብ ዮዳኤ፥ ኦዚ፤
20ካብ ሳላይ፥ ቃላይ፤ ካብ ዓሞቅ፥ ዔበር፤
21ካብ ኬልቂያስ፥ ሃሸብያ፤ ካብ ዮዳኤ፥ ናትናኤል።
መፅሓፍ ትውልዲ ካህናትን ሌዋውያንን
22ኤልያሴብን ዮኣዳን ዮሓናን ያዱዓን ሊቃነ ኻህናት ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን እቶም ሌዋውያን በብሓለቓ ማይ ቤት ኣቦታቶም ተፅሓፉ፤ እዙይ ብዘመን መንግስቲ ዳርዮስ በዓል ፋርስ ኮነ። 23እንተ ኾነ እቶም ደቂ ሌዊ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሴብ ጥራሕ ኣብቲ መፅሓፍ ዜና መዋእል ተፅሓፉ።
ኣብ ቤተ መቕደስ ከገልግሉ ዝተመደቡ
24ሓሸብያ፥ ሰራብያ፥ ኢያሱ፥ ቀድምኤል ኣሕሉቕ ሌዋውያን ነበሩ። ምስቶም ብፆቶም ከምቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዳዊት ዝኣዘዞ እናተቐባበሉ ይውድሱን የመስግኑን ነበሩ።
25መታንያ፥ በቅቡቅያ፥ ኣብድዩ፥ ሜሱላም፥ ጤልሞን፥ ዓቁብ፥ ሓለውቲ ደገ ነበሩ። ኣፍ ደገ እቲ መዛግብቲ ድማ ይሕልዉ ነበሩ። 26እዚኣቶም ብዘመን ዮኣቂም ወዲ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን፥ ብዘመን እቲ ሓለቓ ነህምያን፥ እዝራ እቲ ኻህንን ፀሓፍን ነበሩ።
ነህምያ መመረቕታ ቕፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ዝገበረ
27ቅፅሪ ኢየሩሳሌም፥ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጐስ ምእንቲ ኽምርቕዎ፥ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኵሉ ቦታኦም ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ ገበርዎም። 28እቶም ዘመርቲ ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ነበሩ እሞ፥ ካብቲ ጐልጐል ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን፥ 29ካብ ቤት ጌልገላን ካብ ምድሪ ጌባን ዓዝሞትን ተኣከቡ። 30እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ርእሶም ኣንፅሁ፤ ነቲ ህዝብን ንደገታትን ነቲ ቕፅርን ከዓ ኣንፅህዎ።
31ንኣሕሉቕ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኣደየብክዎም። ዘመስግኑ ኸዓ ኽልተ ዓበይቲ መስርዕ መዘምራን ኣቖምኩ፤ እቶም ሓደ መስርዕ ናብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኣፍ ደገ መጕሓፊ ብወገን የማን ኣቢሎም ዞሩ። 32ሆሻያን፥ ፍርቂ ኣሕሉቕ ነገድ ይሁዳን ከዓ ሰዓቡዎም። 33ኣዛርያስን እዝራን ሜሱላምን፥ 34ይሁዳን ብንያምን ሸማያን ኤርሚያስን ሰዓብዎም። 35ካብ ደቂ ካህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም ሰዓብዎም። ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሸማያ፥ ወዲ መታንያ፥ ወዲ ሚካያ፥ ወዲ ዘኩር፥ ወዲ ኣሳፍ ሰዓቦም። 36ኣሕዋቱ፥ ሸማያ፥ ኤዝርኤል፥ ሚላላይ፥ ጊላላይ፥ መዓይ፥ ናታናኤል፥ ይሁዳ፥ ኣናኒ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዳዊት ዝቓንዮ ዝነበረ መሳርሒ ሙዚቃ ዝመስል ሒዞም ሰዓቡ፤ እዝራ እቲ ፀሓፊ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ። 37ኣብ ደገ ዒላ ምስ በፅሑ፥ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዘደይብ መደያይቦ ኣቢሎም ናብ ቤተ መንግስቲ ዳዊት በፅሑ፤ ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዘብል ኣፍ ደገ ማይ ድማ ደየቡ።
38እቶም ዘመስግኑ ኻልኣይ መስርዕ መዘምራን ከዓ ኽራኸብዎም ናብ ፀጋም ኣቢሎም ይዞሩ ነበሩ። ኣነን ፍርቂ እቲ ህዝብን ድማ ኻብ ግንቢ እቶን ክሳዕ እቲ ገፊሕ ቅፅሪ ብልዕሊ እቲ መካበቢያ ጌርና ደድሕሪኣቶም ከድና። 39ብልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ኣፍ ደገ ዓሳን ግንቢ ሃናንኤል በቲ ሚእቲ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ዘይሮም ድማ ኣብ ደገ ሓለውቲ ቖሙ።
40እቶም ክልተ መስርዕ ዘመስግኑ መዘምራን ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ቆሙ። ኣነ ኸዓ ምስ ፈረቓ እቶም ሹመኛታትን፥ 41እቶም ካህናት ድማ ኤልያቄም፥ መዕሴያ፥ ሚንያሚን፥ ሚካያ፥ ኤልዮዔናይ፥ ዘካርያስ፥ ሓናንያ፤ እዚኣቶም መለኸት ሒዞም ነበሩ። 42ደድሕሪኣቶም ድማ መዕሴያን ሸማያን ኣልኣዛርን ኦዚን ይሆሓናንን መልክያን ዔላምን ዔፅርን ቆምን ሰዓቡ። እቶም ዘመርቲ ኸዓ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፤ ይዝረሕያ ድማ ሓለቓኦም ነበረ። 43በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ ሰውኡ፤ ኣምላኽ ዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም ስለ ዝነበረ ደስ በሎም፤ እተን ኣንስትን እቶም ቆልዑን ከዓ ተሓጐሱ፤ ሓጐስ ኢየሩሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዐ።
44ህዝቢ ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን፥ ሪኦም ተሓጐሱ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዝውፈ መስዋእትታትን በዅራትን ዓስራትን፥ ካብ ኵሉ ማሕረስ እተን ከተማታት፥ ከምቲ ሕጊ ግደ ካህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዝእክቡሉ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ ዝእክቡ ዋናታት ኣቖሙ። 45#1 ዜና. 25፡1-8፥ 26፡12። እቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደገታትን ከዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ናይ ምንፃህ ስርዓትን ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ሰሎሞን ወዱን ሓለዉ። 46ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍን፥ ኣሕሉቕ ዘመርቲ ነበሩ፤ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን የቕርቡ ነበሩ። 47ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከዓ ዅሎም እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደገታትን በብመዓልቱ ዘድልዮም ይህብዎም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ ኻብቲ ዝተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ይህብዎም ነበሩ።
Currently Selected:
ነህምያ 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: