ነህምያ 11
11
ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ
1እቶም መራሕቲ ህዝቢ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና፥ ከካብ ዓሰርተ ስድራ ሓደ ስድራ ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክቕመጡ፥ እቶም ትሽዓተ ኢድ ከዓ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ክቕመጡ ዕፃ ኣውደቑ። 2ነቶም ብፍቓዶም ኣብ ኢየሩሳሌም ክቕመጡ ዝፈተዉ ዅሎም ሰባት ድማ እቲ ህዝቢ መረቖም።
3ኣብተን ከተማታት ይሁዳ ግና እስራኤላውያን ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልገሉን ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞንን፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ።
4 #
ነህ. 7፡73። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ደቂ ይሁዳን ደቂ ብንያምን እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ይሁዳ፦
ዓታያ ወዲ ዖዝያ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ማላልኤል፥ ካብ ደቂ ፋሬስ፤ 5መዕሴያ ወዲ ባሮክ፥ ወዲ ኮልሖዜ፥ ወዲ ዖዛያ፥ ወዲ ዓዳያ፥ ወዲ ዮያሪብ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ካብ ደቂ ሴሎና። 6ካብ ማእኸል ዘርኢ፥ ፋሬስ፥ ኣርባዕተ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ሰባት ሓያላት ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ።
7ካብ ደቂ ብንያም፦
ሳሉ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ዮእድ፥ ወዲ ፈዳያ፥ ወዲ ቆላያ፥ ወዲ መዕሴያ፥ ወዲ ኢቲኤል፥ ወዲ የሻያ፥ 8ድሕሪኡ ኸዓ ጌቤን ሳላይን፤ ኵሎም ትሽዓተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን ነበሩ። 9ኢዩኤል ወዲ ዝክሪ ኸዓ ሓለቓኣቶም ነበረ፤ ይሁዳ ወዲ ሃስኑኣም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣዩ ነበረ።
10ካብ ካህናት፦
ዮዳኤ ወዲ ዮያሪብ፥ ያኪን፥ 11ሰራያ ወዲ ኪልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ፥ ሓለቓ ቤት እግዚኣብሄር። 12ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑ ኣሕዋቶም ድማ ሸሞንተ ሚእትን ዕስራን ክልተን ነበሩ። ዓዳያ፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ፊላልያ፥ ወዲ ኣማሲ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ፋስኮር፥ ወዲ መልኪያ፥ 13ኣሕዋቱ ኸዓ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ነበሩ። ዓማሰያ ወዲ ኤዝርኤል፥ ወዲ ኣሕዛይ፥ ወዲ ምሽሌሞት፥ ወዲ ኢሜር፥ 14ኣሕዋቶምውን ሓያላት ጀጋኑ፥ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን ነበሩ። ሓለቓኣቶም ድማ ዘብዲኤል ወዲ ሓግዶሊም ነበረ።
15ካብ ሌዋውያን፦
ሻማያ ወዲ ኣሱብ፥ ወዲ ዓዝሪቃም፥ ወዲ ኣሳብ፥ ወዲ ቡኒ፤ 16ካብ ኣሕሉቕ ሌዋውያን ከዓ ሳባታይን ዮዛባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወፃኢ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ሰብ ስልጣን ነበሩ። 17መታንያ ወዲ ሚካ፥ ወዲ ዘብዲ፥ ወዲ ኣሳፍ፥ ንሱ ጀማሪ ፀሎትን፥ ጀማሪ መዝሙር ምስጋናን ዝነበረ ሓለቓ እዩ። ካብ ኣሕዋቱ ካልኣይ ዝነበረ በቅበቃር፥ ኣብድያ ወዲ ሳሙስ፥ ወዲ ጋላል፥ ወዲ ኤዶታም ነበሩ። 18ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ድማ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን ነበሩ።
19ካብ ሓለውቲ ኣፍ ደገ፦
ዓቁብን ጤልሞንን ኣሕዋቶምን ድማ ንደጌታት ዝሕልዉ ዝነበሩ፥ ኵላቶም ሚእትን ሰብዓን ክልተን ነበሩ።
20እቶም ዝተረፉ እስራኤላውያን ከዓ ምስ ካህናቶምን ሌዋውያንን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቶም ተቐመጡ።
21እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ ግና ኣብቲ ዖፌል ዝበሃል ወገን ኢየሩሳሌም ተቐመጡ፤ ሲሓናን ጊሽጳን ድማ ኣሕሉቖም ነበሩ።
22ኣዚ ወዲ ባኒ፥ ወዲ ሓሸብያ፥ ወዲ መታንያ፥ ወዲ ሚካ፥ ሓለቓ ሌዋውያን ነበረ፤ ንሱ ኻብቶም ዘመርቲ ደቂ ኣሳፍ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ካብ ዘገልግሉ ሓለቓ ነበረ። 23እቶም መዘምራን ብትእዛዝ ንጉስ ተራ ኣገልግሎቶም ስሩዕ ነበረ። እቲ በብመዓልቱ ዝዝምርዎ መዝሙር ከዓ ምዱብ ነበረ።
24ፈታያ ወዲ ሜሴዜቤል፥ ካብ ደቂ ዝራ ወዲ ይሁዳ ድማ፥ ምእንቲ ጉዳይ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ንጉስ ነበረ።
ኣብ ካልኦት ከተማታት ዝነብሩ ህዝቢ እስራኤል
25ሓድሓደ ኻብ ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጥቓ ማሕረሶም ዘሎ ኸተማታት ኣብ ቂርያትኣርባቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ዲቦንን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ይቀብፅኤልን ኣብ ቝሸታታን ተቐመጡ። 26ከምኡውን ኣብ ኢያሱን ኣብ ሞላዳን ኣብ ቤት ጳሌጥን፥ 27ኣብ ሓፀርሹዓልን ኣብ ቤርሳቤህን ኣብ ከባቢኣን፥ 28ኣብ ፂቅላግን ኣብ ምኮናን ኣብ ከባቢኣን፥ 29ኣብ ዓይንሪሞንን ኣብ ፆርዓን ኣብ የርሙትን፥ 30ኣብ ዛኖዋን ኣብ ዓዶላምን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ለኪሶንን ኣብ ማሕረሳን ኣብ ዓዜቃን ኣብ ከባቢኣን ተቐመጡ። ስለዙይ ደቂ ይሁዳ ኣብተን ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ለሰ ሄኖም ዘለዋ ዓድታት ሰፈሩ።
31ደቂ ብንያም ከዓ ኣብ ጌባ፥ ኣብ ማክማስን ኣብ ጋያን ኣብ ቤቴልን ኣብ ከባቢኣን፥ 32ኣብ ዓናቶት፥ ኣብ ኖብ፥ ኣብ ሓናንያ፥ 33ኣብ ሓሶር፥ ኣብ ራማ፥ ኣብ ጊቴም፥ 34ኣብ ሓዲድ፥ ኣብ ስቦይም፥ ኣብ ንበላት፥ 35ኣብ ሎድ፥ ኣብ ኦኖ፥ ኣብ ለሰ ፀረብቲ ተቐመጡ።
36ካብቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ዝነበሩ ሌዋውያን ድማ ብዙሓት ክፍልታት ናብ ብንያም ኮኑ።
Currently Selected:
ነህምያ 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in