ማርቆስ 6
6
ኢየሱስ ኣብ ናዝሬት ከም ዝመሃረ
(ማቴ. 13፡53-58፥ ሉቃ. 4፡16-30)
1ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ዓዱ ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሰዓብዎ። 2#ማር. 1፡21-22። ብሰንበት ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #6፡2 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ክምህር ጀመረ፤ ብዙሓት ምስ ሰምዕዎ ድማ “እዝ ዅሉ ኻበይ ረኸቦ? እዝ ጥበብ እዙይከ ኻበይ ተውሃቦ? እዝ ብኢዱ ዝግበር ዘሎ ተኣምራትከ ኻበይ ኮነሉ?” እናበሉ ተገረሙ። 3#ማቴ. 11፡6። “እዙይስ እቲ ፀራቢ #6፡3 ፀራቢ፦ ግእዝ “ወዲ ፀራቢ” ይብል። ወዲ ማርያምዶ ኣይኮነን? ሓው ያእቆብን ዮሳን ይሁዳን ስምኦንንዶ ኣይኮነን? ኣሓቱስ ኣብዙይ ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን?” እናበሉ ብእኡ ተዓንቀፉ። 4ኢየሱስ ከዓ “ነቢይ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ” በሎም። 5#ኢሳ. 59፡1-2። ብዘይ እቶም ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም ውሑዳት ሕሙማት ኣብኡ ተኣምራት ኣይገበረን። 6#ማቴ. 9፡35። በቲ ዘይምእማኖም ድማ ተገረመ፤ እናመሃረ ኸዓ ኣብተን ከባቢ ዘለዋ ዓድታት ተዘዋወረ።
ኢየሱስ ንዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ከም ዝለኣኸ
(ማቴ. 10፡5-15፥ ሉቃ. 9፡1-6)
7ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ናብኡ ፀዊዑ፥ በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም፤ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ ስልጣን ሃቦም። 8ንመንገዲ ዝኸውን እንትርፊ በትሪ፥ ስንቂ፥ እንጀራ፥ ወይ ከረጢት፥ ኣብ ቅናውቶም ድማ ገንዘብ ከይሕዙ፥ 9እንትርፊ ኣብ እግሮም ዘሎ ሳእኒ፥ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ከይሕዙ ኣዘዞም። 10#ሉቃ. 10፡7። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ካብኡ ኽሳዕ እትወፁ፥ ኣብቲ ዝኣተኹምዎ ገዛ ተቐመጡ። 11ኣብቲ ዘይተቐበሉኹምን ዘይሰምዑኹምን ዓዲ፥ ካብኡ ወፂእኹም ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ዓዲ እቲኣስ፥ ንሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” 12#ሉቃ. 24፡47፥ ግ.ሓ. 26፡20። ንሳቶም ድማ ናብ ዓድታት ወፂኦም ኵሉ ኽንሳሕ ሰበኹ። 13#ሉቃ. 10፡17፥ ያቆ. 5፡14-15። ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅኡ፤ ንብዙሓት ሕሙማት ድማ፥ ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም።
ሞት መጥምቕ ዮሃንስ
(ማቴ. 14፡1-12፥ ሉቃ. 9፡7-9)
14ስሙ ተጋሂዱ ስለ ዝነበረ፥ ንጉስ ሄሮድስ ሰምዐ። “መጥምቕ ዮሃንስ ካብ ምውታን ተሲኡ እዩ፤ ስለዙይ ከምዙይ ዝበለ ተኣምራት ብእኡ ይግበር ኣሎ” በለ። 15#ማር. 8፡28። ካልኦት ግና “ኤልያስ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “ነቢይ እዩ፤ ወይ ድማ ሓደ ኻብቶም ነቢያት እዩ” በሉ። 16ሄሮድስ ግና ነዙይ ምስ ሰምዐ “እዙይ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ እዩ” በለ። 17ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፥ ብሰንካ ሓሻኽሩ ልኢኹ፥ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። 18#ዘሌ. 20፡21። ምኽንያቱውን ዮሃንስ ንሄሮድስ “ሰበይቲ ሓውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን” ይብሎ ስለ ዝነበረ እዩ። 19ሄሮድያዳ በዙይ ተቐዪማ ኽተቕትሎ ትደሊ ነበረት፤ እንተ ኾነ ኣይከኣለትን። 20ዮሃንስ፥ ቅዱስን ፃድቕን ሰብ ከም ዝኾነ ንጉስ ሄሮድስ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ ይፈርሖን ይሕልዎን ነበረ። ሄሮድስ ዘረባ ዮሃንስ እንትሰምዕ የመና ይጭነቕ ነበረ፤ ይኹን እምበር እናተሓጐሰ ይሰምዖ ነበረ። 21ሄሮድስ ዝተወለደላ መዓልቲ ከኽብር፥ ንመሳፍንቲ፥ ንመኳንንቲ፥ ንናይ ገሊላ ዓበይቲ ዓዲ፥ ምሳሕ ምስ ገበረ፥ ሽዑ ምችዊ መዓልቲ ኾነ። 22ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዐት፤ ንሄሮድስን ነቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ከዓ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስውን ነታ ጓል “ዝደለኽዮ ጠይቕኒ ኽህበኪ እየ፤ 23ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ኾነውን፥ ዝጠየቕክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ መሓለላ። 24እታ ጓል ድማ ወፂኣ ንኖኣ “እንታይ ክጥይቖ?” በለታ። ንሳ ኸዓ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ” በለታ። 25ሽዑ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ሕዚ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ። 26እቲ ንጉስ ድማ የመና ሓዘነ፤ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ተቐሚጦም ዝነበሩን ግና፥ ክኣብያ ኣይደለየን። 27ሽዑ እቲ ንጉስ ሓደ ወታደር ልኢኹ፥ ርእሲ ዮሃንስ ከምፅእ ኣዘዘ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሲ ዮሃንስ ሰየፈ። 28ነቲ ዝተቘረፀ ርእሱ ድማ፥ ኣብ ፃሕሊ ገይሩ ነታ ጓል ሃባ፤ እታ ጓል ድማ ንኖኣ ሃበታ። 29ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ነቲ ሬሳኡ ወሲዶም ቀበርዎ።
ኢየሱስ ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ከም ዝመገበ
(ማቴ. 14፡13-21፥ ሉቃ. 9፡10-17፥ ዮሓ. 6፡1-14)
30 #
ማር. 8፡1-9። ሃዋርያት ድማ ናብ ኢየሱስ ተመሊሶም፥ ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ኵሉ ነገርዎ። 31እቶም ዝመፁን ዝኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፥ ንምብላዕውን ጊዜ ስለ ዘይረኸቡ፥ ኢየሱስ “ንበይንኻትኩም ቁሩብ ክተዕርፉ ንዑናይ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ንውፃእ” በሎም። 32ንሳቶም ከዓ ንበይናቶም ብጃልባ ተሳጊሮም ናብ ፅምዊ ቦታ ኸዱ። 33ክኸዱ እንተለዉ ብዙሓት ህዝቢ ረአይዎምን ኣለለይዎምን። ካብ ኵለን ከተማታት ብእግሪ ናብኡ ጐየዩሞ፥ ቀዲሞምዎም ኣብኡ በፅሑ። 34#ማቴ. 9፡36። ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፥ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ ራህርሀሎም፤ ብዙሕውን ክምህሮም ጀመረ። 35እዋን ምስ ሓለፈ ኸዓ፥ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን የመና መስዩ እዩ። 36ዝብላዕ ምግቢ የብሎምን እሞ፥ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ቍሸታትን ዓድታትን ከይዶም ዝበልዕዎ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ። 37#ዘሑ. 11፡21-23። ንሱ ግና “ዝበልዕዎ ንስኻትኩም ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኬድና ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ዓዲግናዶ ኽበልዑ ኽንህቦም?” በልዎ። 38ኢየሱስ ድማ “ክንደይ እንጀራ ኸም ዘለኩም ኪዱ ረአዩ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ምስ ረአዩ “ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን” ኣሎ በልዎ። 39ንዅሎም ድማ በብመስርዖም እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኸቐምጥዎም ኣዘዞም። 40እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸከም መስርዖም በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ። 41ኢየሱስ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ እናጠመተ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ከቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ከምኡውን እቲ ኽልተ ዓሳ ንዅሎም ኣከፋፈሎም። 42ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ። 43ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ዓሰርተ ኽልተ ቝርስራስ ዝመልአ መሶብ ኣልዓሉ፤ ካብቲ ዓሳውን ኸምኡ። 44እቶም እንጀራ ዝበልዑ ኸዓ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።
ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኸም ዝኸደ
(ማቴ. 14፡22-33፥ ዮሓ. 6፡15-21)
45ሽዑ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብት ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጃልባ ኣትዮም ናብ ማዕዶ ቤተ ሳይዳ ክቕድምዎ ኣዘዞም። 46ምስ ኣሰናበቶም ካብኡ ሓሊፉ ኽፅሊ ናብ እምባ ደየበ። 47እዋኑ ምስ መሰየ እታ ጃልባ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ነበረት። ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ። 48ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፥ እናቐዘፉ እንተለዉ ኽጭነቑ ረአዮም። ከባቢ ትሽዓተ ሰዓት #6፡48 ትሽዓተ ሰዓት፦ ወይ “ለይቲ ብራብዐይቲ ኽፍል ጊዜ” ናይ ለይቲ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እናኸደ ናብኣቶም በፅሐ፤ ክሓልፎምውን ደለየ። 49ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ ምትሃት መሲልዎም ኣእወዩ። 50ኵሎም ምስ ረአይዎ ደንገፁ። ኢየሱስ ግና “ኣይዞኹም! ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ!” በሎም። 51#ማር. 4፡39-41። ናብታ ንሳቶም ዝነበርዋ ጃልባ ኸዓ ደየበ፤ እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ፤ ንሳቶምውን የመና ተገረሙን ተደነቑን። 52#ማር. 8፡17-18፥ 16፡14። ልቦም ተደፊኑ ስለ ዝነበረ ነቲ ናይ እንጀራ ተኣምራት ኣየስተውዓልዎን።
ኢየሱስ ኣብ ጌንሴሬጥ ሕሙማት ከም ዘሕወየ
(ማቴ. 14፡34-36)
53ነቲ ባሕሪ ምስ ተሳገሩ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ መፂኦም ነታ ጃልባ ኣብ ወሰን ኣፀጊዖም ኣቖምዋ። 54ካብ ጃልባ ምስ ወፁ እቶም ህዝቢ ሽዑ ንሽዑ ኣለለይዎ። 55#ማቴ. 4፡24። ኣብ ኵላ እታ ሃገር እናጐየዩ፥ ኢየሱስ ኣሎ ተብሂሉ፥ ናብ ዝሰምዑሉ ቦታ ሕሙማት ብዓራታት እናፆሩ ናብኡ ኸምፅኡ ጀመሩ። 56#ማቴ. 9፡20። ኣብ ኵሉ ዝኣተዎ፥ ዓድታት፥ ከተማታት፥ ቍሸታት፥ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት የቐምጥዎም እሞ፥ ዘፈር ክዳኑ ጥራሕ ክነኽኡ ይልምንዎ ነበሩ፤ ኵሎም እቶም ዝነኽእዎውን ይሓውዩ ነበሩ።
Currently Selected:
ማርቆስ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in