ማርቆስ 12:29-31
ማርቆስ 12:29-31 ትመ15
ኢየሱስ ከዓ “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ እያ፤ ‘ኦ እስራኤል፥ ስማዕ! እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’ እታ ንኣኣ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ንባዕልኻ ጌርካ ኣፍቅር’ እትብል እያ። ካብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ዝዓቢ ትእዛዝ የለን” ኢሉ መለሰሉ።