YouVersion Logo
Search Icon

ሚክያስ 6

6
እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ከም ዝወቐሶም
1እቲ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ እምባታት ተፋረድ፤ ንኾረብታታት ከዓ ድምፅኻ ኣስምዓዮም ዝበሎ ስምዑ።”
2እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፤ ምስ እስራኤልውን ሙግት ኣለዎ እሞ፥ ኣቱም እምባታት፥ ንስኻትኩምውን ኣቱም ፅኑዓት መሰረት ምድሪ፥ ክርክር እግዚኣብሄር ስምዑ።
3“ኣታ ህዝበይ፥ እንታይ ገይረካ እየ? ብምንታይከ ኣድከምኩኻ? እስኪ መስክረለይ። 4#ዘፀ. 12፡50-51፥ 4፡10-16፥ 15፡20። ኣነ ኻብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኹኻ፤ ካብ ቤት ባርነትውን ኣድሓንኩኻ፤ ቀቅድሜኻውን ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን ሰደድኩልካ። 5#ዘሑ. 22፡2—24፡25፥ ኢያሱ 3፡1—4፡19። ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።”
እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ዝፅበዮ
6ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽቐርብ? ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ? ዝቃፀል መስዋእትን ምራኽ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመፅእ? 7ብኣሽሓት ማጓሉን ብኣእላፋት ወሓይዝ ዘይትንዶ እግዚኣብሄር ደስ ይብሎ እዩ? ኽንዲ በደለይ በዅሪ ወደይ፥ ክንዲ ሓጢኣተይ ከዓ ፍረ ኸርሰይዶ ኽህብ እየ? 8ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን?
9ስምካ ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይፅውዓ። “ንበትሩ ዘክሩ፤ በትሪ መቕሰፍቲ ሕሰቡ፤ ንእኡ ዘዳለዎውን መን ምዃኑ ፍለጡ። 10ብሓቂ ኣብ ቤት ሓጥእ፥ እቲ መዝገብ ሓጢኣትን፥ እቲ ፅዩፍ ናይ ሓሶት መስፈሪን ገና ይህሉዶ ይኾን? 11ኣነዶ ብሚዛን ረሲዕነትን፥ በቲ ኸረጢት ጠባሪ መመዘንን፥ ንፁህ ክኸውን እየ። 12እቶም ሃብታማታ ግፍዒ ዝመልኡ እዮም፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ሓሰውቲ እዮም፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም መታለሊት እያ። 13ስለዙይ ኣነ ኸዓ ብሕማም ቍስሊ ወቓዕኹኻ፤ ካብ ሓጢኣትካ ዝተልዓለ ድማ ኣፈራረስኩኻ። 14ክትበልዕ ኢኻ፤ ግናኸ ኣይትፀግብን፤ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ክኸውን እዩ። ክትሕዝ ኢኻ፤ ግናኸ ኣይተድሕንን፤ ነቲ ዘድሐንካዮውን ንሰይፊ ኽህቦ እየ። 15ክትዘርእ ኢኻ፤ ግና ኣይትዓፅድን፤ ፍረ ኣውሊዕ ክትፀምቝ፥ ግና ዘይቱ ኣይትቕባእን ኢኻ፤ ዀልዒ ወይኒ ኽትፀምቝ ኢኻ፤ ግና ወይኒ ኣይትሰትን። 16#1 ነገ. 16፡23-34፥ 21፡25-26። ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”

Currently Selected:

ሚክያስ 6: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in