YouVersion Logo
Search Icon

ሚክያስ 4

4
ሰላም ዝሰፈኖ መንግስቲ እግዚኣብሄር
(ኢሳ. 2፡1-4)
1በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥
ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤
ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤
ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም።
2ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥
ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ እሞ፥
ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፥
“ንዑናይ ናብ እምባ እግዚኣብሄርን፥
ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፥
ንሱ ኸዓ መንገድታቱ ኽምህረና እዩ፤
ንሕናውን ብመንገድታቱ ኽንኸይድ ኢና” ኽብሉ እዮም።
3 # ኢዩ. 3፡10። ንሱ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ክፈርድ እዩ፤
ኣብ ርሑቕ ኣብ ዘለዉ ብርቱዓት ኣህዛብውን ክብይን እዩ፤
ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ንማሕረሻ፥
ኲናውቶም ድማ ንማዕፂድ ክገብርዎ እዮም፤
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዂናት ኣየልዕልን፤
ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።
4 # ዘካ. 3፡10። ኣፍ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተናጊሩ ኣሎሞ፥
ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን፥
ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ክቕመጥ እዩ፤
ዘፍርሖውን የለን።
5ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣማልኽቶም ክመላለሱ እዮም፤
ንሕናውን ብስም ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥
ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና።
ህዝቢ እስራኤል ካብ ስደት ክምለሱ እዮም
6እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ሓንካስ ክእክባ እየ፤ ነታ ዝተሰጐጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ክእክባ እየ። 7ነታ ሓንካስ ንተረፍ ነታ ናብ ርሑቕ ዝተሰጐት ከዓ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብራ እየ፤ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ እምባ ፅዮን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ።”
8ኣታ ግንቢ መጓሰ፥ እታ እምባ ጓል ፅዮን፥ ናባኻ ኽትመፅእ እያ፤ እታ ናይ ቀደም ግዝኣት፥ መንግስቲ ጓል ኢየሩሳሌም ክትመፅእ እያ። 9ስለ ምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እተእውዪ? ስለ ምንታይከ ሕርሳ ኸም ዝበፅሐ ሰበይቲ ቅልውላው ዝሕዘኪ? ንጉስ ስለ ዘየብልክን መማኽርትኺ ኸዓ ስለ ዝጠፍኡን ድዩ? 10ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ ኣቕለልዊን ሕረስን፤ ሕዝስ ካብ ከተማ ወፂእኺ ኣብ ሜዳ ኽትቅመጢ ኢኺ፤ ናብ ባቢሎንውን ክትበፅሒ ኢኺ፤ ኣብኡ እግዚኣብሄር ካብ ፀላእትኺ ኽቤዘወኪ እዩ። 11ሕዚ ግና ብዙሓት ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተኣኪቦም፥ “ትርከስ፤ ኣዒንትናውን ንፅዮን ይጠምታ” ይብሉ። 12ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈልጡን እዮም፤ ንምኽሩውን ኣየስተውዕሉን፤ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ኣኪብዎም እዩሞ።
13ኣቲ ጓል ፅዮን ተልዒልኪ ኣኺዲ፤ ንቐርኒኺ ሓፂን፥ ንሸዀናኺ ነሃስ ክገብሮ እየሞ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትሰባብሪ ኢኺ፤ ኣነውን ነቲ ዝዘመትዎ ንእግዚኣብሄር፥ ሃብታቶምውን ንጐይታ ዅላ ምድሪ ኽቕድሶ እየ።

Currently Selected:

ሚክያስ 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in