YouVersion Logo
Search Icon

ሚክያስ 1

1
1 # 2 ነገ. 15፡32-38፥ 16፡1-20፥ 18፡1-21፥ 2 ዜና. 27፡1-7፥ 28፡1—32፡33። ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
ሚክያስ ንሰማርያን ንኢየሩሳሌምን ከም ዘልቀሰለን
2ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም፥ ስምዑ፤ ምድሪ እውን ብምልእታ ትስማዕ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ንሱውን እቲ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ዝኾነ ጐይታ ኣብ ልዕሌኹም ይመስክረልኩም። 3እንሆ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኽወፅእ እዩ፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ኽረግፅ እዩ። 4ሽዑ እምባታት ከምቲ ሽምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፥ ከምቲ ብፀድፊ ወሪዱ ዝፈስስ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፤ ሽንጥሮታት ከዓ ኽጭደዱ እዮም።
5እዝ ዅሉ፥ ብሰንኪ በደል ያእቆብን፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ? ሰማርያዶ ኣይኮነትን? በረኽቲ መስገዲ ይሁዳ እንታይ እዩ? ኢየሩሳሌምዶ ኣይኮነትን? 6ስለዙይ “ንሰማርያ ኸም ኣብ ሜዳ ዘሎ ኹምራ እምንን፥ ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጥሮ ኽውርውሮ፥ ንመሰረታ ኸዓ ኽቐልዖ እየ። 7እቲ ቕሩፅ ምስልታታ ክሰባበር እዩ። እቲ ዅሉ ዋጋ ምንዝርናኣውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፥ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ክኾኑ እዮም እሞ፥ ኣነ ንዅላቶም ጣዖታታ ኽሰባብሮም እየ።”
8“በዝ ምኽንያት እዙይ እበክን፥ ዋይ ዋይ እብልን፥ ጥራሕ እግረይን ጥራሕ ሰብነተይን ኮይነ እኸይድ፥ ከም ውኻርያ እበኪ፥ ከም ሰገን ከዓ ድምፂ ሓዘን ኣስምዕ ኣለኹ። 9ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”
ምቕራብ ፀላእቲ ኣብ ኢየሩሳሌም
10ኣብ ጌት ኣይተውርይዎ፤ ኣብ ልዕሊ ኣኮ ብኽያት ኣይትብከዩ። ኣብ ቤት ኦፍራ ግና ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ። 11ኣቲ ኣብ ሳፊር እትነብሪ፥ ዕርቃንኪ ወፂእኺ ብሕፍረት ሕለፊ፤ እታ ኣብ ፀዓናን እትነብር፥ ካብኡ ኣይወፀትን። ብኽያት ቤትኤፄል ስፍራኡ ኣሕደገኩም። 12መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ ኢየሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፥ እታ እትነብር ሰናይ ነገር ትፅበ ኣላ። 13ኣቲ ኣብ ላኪሶ እትነብሪ፥ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ፅመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ንጓል ፅዮን ናይ መጀመርያ ሓጢኣት ነበረት። 14ስለዙይ ንሞሬሼትጌት ውህብቶ ኽትወሃቢ ኢኺ፤ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል መጠበሪ ክኾኑ እዮም።
15ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፥ ዝወርስ ከምፀአልኪ እየ፤ ክብሪ እስራኤል ድማ ናብ ኣዶላም ክመፅእ እዩ። 16እቶም እትሕጐስሎም ደቅኺ፥ ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፥ ፀጕርኺ ንፀዪ፤ ርእስኺውን ላፅዪ፤ ነቲ ነዃዕኪ ድማ ኸም ናይ ንስሪ ኣግፍሒዮ።

Currently Selected:

ሚክያስ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in