ማቴዎስ 19
19
ምፍታሕ ከም ዘይግባእ
(ማር. 10፡1-12)
1ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ፈፀመ፥ ካብ ገሊላ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ምድሪ ይሁዳ በፅሐ። 2ብዙሓት ህዝቢ ድማ ተኸተልዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቶም ዝሓመሙ ኣሕወዮም። 3ፈሪሳውያን ድማ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ክፈትሓዶ ይግባእ እዩ?” እናበሉ ኽፍትንዎ ናብኡ መፁ። 4-5#ዘፍ. 1፡27፥ ዘፍ. 2፡24። ንሱ ድማ መሊሱ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ‘ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም፥ ስለዙይ ድማ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ፤ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይኾኑ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?’ 6#1 ቆሮ. 7፡10-11። ስለዙይ እዚኣቶም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ፥ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።
7 #
ማቴ. 5፡31። ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ ሙሴ መፍትሒኣ ፅሑፍ ሂቡ ኽፈትሓ ዝኣዘዘ?” በልዎ።
8ኢየሱስ ድማ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም እምበር፥ ካብ መጀመርታስ ከምኡ ኣይነበረን። 9#ማቴ. 5፡32። ኣነ ግና ‘እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ፥ ካሊእውን ዘእቱ ይዝሙ፤ #19፡9 ግእዝ “ንኣኣውን ዘማዊት ይገብራ” ዝብል ይርከብ። ፍትሕቲ ዘእቱውን ይዝሙ’ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
10እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን፥ ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ ዘይምውሳብ ይሐይሽ” በልዎ።
11 #
1 ቆሮ. 7፡17። ኢየሱስ ድማ “እዝ ነገር እዙይ፥ ነቶም ዝተውሃቦም እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ዝኽእሎ ኣይኮነን። #19፡11 ኣብ ግእዝ “ክዕገስ ዝኽእል ይተዓገስ” ዝብል ይርከብ። 12#1 ቆሮ. 7፡32-34። ካብ ከርሲ እኖኣቶም፥ ስሉባት ኮይኖም ዝተወለዱ ኣለዉ፤ ሰባት ስሉባት ዝገበርዎምውን ኣለዉ፤ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም፥ ንባዕላቶም ከም ስሉባት ዝገበሩውን ኣለዉ፤ ነዝ ትምህርቲ እዙይ ክቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ” በሎም።
ኢየሱስ ንህፃናት ከም ዝባረኸ
(ማር. 10፡13-16፥ ሉቃ. 18፡15-17)
13ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኽፅልየሎም፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም። 14#ማቴ. 18፡3። ኢየሱስ ግና “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ንህፃናት ሕደግዎም፤ ናባይ ምምፃእ ኣይትኽልእዎም” በሎም። 15ኢዱ ምሰንበረሎም ድማ ኻብኡ ኸደ።
ጥያቐ ሃብታም መንእሰይ
(ማር. 10፡13-31፥ ሉቃ. 18፡15-30)
16 #
ሉቃ. 10፡25፥ ዮሓ. 6፡27-29። እንሆ ሓደ ሰብኣይ #19፡16 ሰብኣይ፦ ግእዝ “ጐበዝ” ይብል። ናብኡ መፂኡ፥ “መምህር፥ #19፡16 መምህር፦ ኣብ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “ሕያዋይ መምህር” ይብል። ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስስ፥ እንታይ ሰናይ ግብሪ ኽገብር?” በሎ።
17 #
ዘሌ. 18፡5፥ ሮሜ 10፡5። ኢየሱስ ከዓ “ንምንታይ ብዛዕባ ሰናይ ትጥይቐኒ? እቲ ሰናይስ ሓደ እዩ። #19፡17 እቲ ሰናይስ ሓደ እዩ፦ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር ሕያዋይ የለን” ይብሉ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻስ ትእዛዛቱ ሓሉ!” በሎ። 18ንሱ ድማ “ኣየነአን እየን?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቅ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ 19#ዘፀ. 20፡12-16። ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ብፃይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ።
20እቲ ጐበዝ ድማ “ነዙይ ኵሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ ኣለኹ፤ እንታይ ደኣ እዩ ዝጐድለኒ?” በሎ። 21#ማቴ. 6፡19-21፥ ሉቃ. 19፡8። ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ፍፁም ክትከውን እንተ ደሊኻስ፥ ኬድካ ዅሉ ዘለካ ሼጥካ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ መዝገብ ኽትረክብ ኢኻ እሞ፥ ነዓ ተኸተለኒ!” በሎ። 22#መዝ. 62፡10። እቲ ሰብኣይ ድማ ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበሮ፥ ነዝ ቓልዙይ ምስ ሰምዐ እናሓዘነ ኸደ።
23 #
ማቴ. 13፡22፥ 1 ጢሞ. 6፡9-10። ኢየሱስ ከዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ጭንቂ ኸም ዝኾነ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 24መሊሱውን፥ ሃብታም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
25ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነዙይ ሰሚዖም “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል!” እናበሉ የመና ተገረሙ።
26 #
ኢዮብ 42፡2፥ ዘካ. 8፡6። ኢየሱስ ድማ ጠመቶም እሞ “እዙይ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” በሎም።
27 #
ማቴ. 4፡20-22። ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ ኣለና፤ እንታይ ክንረክብ ኢና?” በሎ።
28 #
ማቴ. 25፡31፥ ሉቃ. 22፡28-30፥ 1 ቆሮ. 6፡2፥ ራእይ 20፡4፥ 21፡1-5። ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ፥ ብሓድሽ ልደት፥ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 29#ዕብ. 10፡34። ኵሉ ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ ኣቦ፥ እኖ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ። 30#ማቴ. 20፡16፥ ሉቃ. 13፡30። ግና ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ፥ ቀዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም።
Currently Selected:
ማቴዎስ 19: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: