ማቴዎስ 18
18
ብዛዕባ ትሕትና ዝተውሃበ ትምህርቲ
(ማር. 9፡33-37፥ ሉቃ. 9፡46-48)
1በታ ሰዓት እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ይዓቢ?” እናበሉ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ። 2ኢየሱስ ድማ ንሓደ ህፃን ናብኡ ፀዊዑ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦ 3#ማቴ. 19፡14፥ ማር. 10፡15፥ ዮሓ. 3፡3። “እንተ ዘይተመሊስኩም፥ ከምዝ ህፃን እዙይውን እንተ ዘይኴንኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 4#ማቴ. 23፡12፥ ሉቃ. 14፡11፥ 1 ጴጥ. 5፡6። እቲ ኸምዝ ህፃን እዙይ ንባዕሉ ዘትሕት፥ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ካብ ኵሉ ዝዓቢ። 5እቲ ንኸምዙይ ዝበለ ህፃን ብስመይ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል። 6#ሉቃ. 16፡2፥ 1 ቆሮ. 8፡12። እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ዘስሕት ድማ፥ እምኒ መጥሓን #18፡6 እምኒ መጥሓን፦ ግእዝ “ኣድጊ ዝጥሕነሉ መጥሓን” ይብል። ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ።
ምኽንያት ፈተና
(ማር. 9፡42-48፥ ሉቃ. 17፡1-2)
7 #
ሉቃ. 17፡1። “ዕንቅፋት ግድን ክመፅእ እዩ እሞ፥ ብዛዕባ ዕንቅፋት ንዓለም ወይለኣ! ምናዳ ነቲ ብሰንኩ ዕንቅፋት ዝመፅእ ሰብ ወይለኡ! 8ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኢድካን ክልተ እግርኻን፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበ፥ ብቘራፅካ ወይ ብሓንካስካ ናብ ህይወት ክትኣቱ ይሕሸካ። 9#ማቴ. 5፡9-30። ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ድማ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ዓይንኻ፥ ናብ ገሃነም እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።
ምስላ ዝጠፍአት በጊዕ
(ሉቃ. 15፡3-7)
10 #
ዕብ. 1፡14። “መላእኽቶም ኣብ ሰማያት፥ ኵልሻዕ ገፅ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይሪኡ እዮም እሞ፥ ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ። 11#ሉቃ. 15፡4-7፥ ሉቃ. 19፡10። ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ ዝመፀ እሞ። 12እንታይ ይመስለኩም? ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክደሊዶ ኣይኸይድን? 13እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ዘይጠፍኣ ተስዓን ትሽዓተን፥ ብኣኣ የመና ኸም ዝሕጐስ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 14#ዮሓ. 6፡39። ከምኡ ድማ ኻብዞም ኣናእሽተይ ሓደ እኳ ኽጠፍእ፥ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም #18፡14 ኣቦኻትኩም፦ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “ኣቦይ” ይብሉ። ኣይኮነን።
ሓውካ እንተ በደለካ
15 #
ዘሌ. 19፡17፥ ሉቃ. 17፡3፥ ገላ. 6፡1። “ሓውካ እንተ በደለካ፥ #18፡15 እንተ በደለካ፦ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “እንተ በደለ” ይብሉ። ኼድካ ንስኻን ንሱን በይንኻትኩም ኴንኩም መዓዶ፤ እንተ ሰምዐካ ንሓውካ ናትካ ገበርካዮ። #18፡15 ንሓውካ ናትካ ገበርካዮ፦ ግእዝ “ንሓውካ ጠቐምካዮ” ይብል። 16#ዘዳ. 19፡15። እንተ ዘይሰምዐካ ግና፥ ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እዩ ዝቐውም እሞ፥ ኣብ ካልኣይ ጊዜ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። 17ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፤ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና፥ ከም ኣረማዊን ከም ተቐባሊ ቀረፅን ቍፀሮ።
ኢየሱስ ስልጣን ከም ዝሃበ
18 #
ማቴ. 16፡19። “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኹምዎ ድማ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ። 19-20#ማቴ. 28፡20፥ 7፡7፥ ግ.ሓ. 12፡5። ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
በደል ሓውካ ምሕዳግ
21ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ኦ ጐይታ! ሓወይ እንተ በደለኒ ኽንደይ ሻዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተዶ?” በሎ። 22#ሉቃ. 17፡4። ኢየሱስ ድማ “ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር፥ ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን።” 23#ሮሜ 14፡12። ስለዙይ መንግስተ ሰማያት፥ ምስ ኣገልገልቱ ኽፀባፀብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል፤ 24ክፀባፀብ ምስ ጀመረ ዓሰርተ ሽሕ መክሊት #18፡24 መክሊት፦ ሓደ መክሊት ሽዱሽተ ሽሕ ዲናር ኣቢሉ ይሽረፍ ነበረ። ሓደ ዲናር ድማ ንሓደ ሰራሕተኛ ናይ ሓደ መዓልቲ ደመወዝ ነበረ። ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምፅኡሉ። 25#2 ነገ. 4፡1። ዝፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን፥ ሰበይቱን፥ ደቁን፥ ዘለዎ ዅሉ ሃብትን ክሽየጥ እሞ፥ እቲ ዕዳ ክኸፍል ኣዘዘ። 26እቲ ኣገልጋሊ ድማ ኣብ እግሩ ተደፊኡ፥ “ጐይታይ! ተዓገሰኒ ደኣ እምበር፥ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ለመኖ። 27#ሚክ. 7፡18-19፥ ሉቃ. 7፡41-43። እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ራህርሀሉሞ ፈትሖ፤ ዕዳኡውን ሓደገሉ። 28እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብፆቱ ሚእቲ ዲናር #18፡28 ዲናር፦ ሓደ ዲናር ንሓደ ሰራሕተኛ ናይ ሓደ መዓልቲ ደመወዝ ነበረ። ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ እሞ፥ “ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ” ኢሉ ሓኒቑ ሓዞ። 29ሽዑ እቲ ብፃዩ ኣገልጋሊ “ተዓገሰኒ፤ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ተደፊኡ ለመኖ። 30ንሱ ግና ኣበዮ፤ ከይዱ ድማ ኽሳዕ ዕዳኡ ዝፈድዮ ኣእሰሮ። 31እቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ድማ፥ እቲ ዝገበሮ ሪኦም የመና ሓዘኑ፤ ከይዶምውን እቲ ዝኾነ ዅሉ ነገር ንጐይታኦም ነገርዎ። 32#ማቴ. 7፡2። ሽዑ እቲ ጐይታኡ ፀዊዑ “ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ! ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ዅሉ ዕዳኻ ሓደግኩልካ፤ 33#ማር. 11፡25፥ ያቆ. 2፡13። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብፃይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብአካን?” በሎ። 34ጐይታኡ ኸዓ ተቘጢዑ ዅሉ ዕዳኡ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝፈዲ ንዘሳቕይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ። 35#ማቴ. 6፡14። “እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።”
Currently Selected:
ማቴዎስ 18: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in